ኤርምያስ 7:4 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 4 ‘ቤተ መቕደስ የሆዋ፡ ቤተ መቕደስ የሆዋ፡ ቤተ መቕደስ የሆዋ እዚኣ እያ!’* ኢልኩም ብመታለሊ ቓላት ኣይትተኣመኑ።+ ሚክያስ 3:4 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 4 ሽዑ፡ ናብ የሆዋ ኺምህለሉ እዮም፣ንሱ ግና ኣይኪምልሰሎምን እዩ። በቲ ግዜ እቲ፡ ብሰንኪ እቲ እኩይ ግብርታቶም፡ገጹ ኺሓብኣሎም እዩ።+