ማቴዎስ 21:42 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 42 የሱስ ከኣ ከምዚ በሎም፦ “‘እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ እምኒ መኣዝን* ኰይኑ ኣሎ።+ እዚ ኻብ የሆዋ* እዩ ዀይኑ፣ ኣብ ኣዒንትና እውን ድንቂ እዩ’ ዚብልሲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋትዶ ኸቶ ኣየንበብኩምን፧+ ማቴዎስ 21:44 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 44 እቲ ኣብዚ እምኒ እዚ ዚወድቕ ኪሰባበር እዩ።+ ንሱ ዚወድቆ ድማ ኪሕምሸሽ እዩ።”+ ሉቃስ 20:17, 18 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 17 ንሱ ግና ጠመቶም እሞ፡ “‘እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ እምኒ መኣዝን* ኰይኑ ኣሎ’ ዚብል ጽሑፍ ደኣ እንታይ ማለት እዩ፧+ 18 እቲ ኣብቲ እምኒ እቲ ዚወድቕ ዅሉ ኺሰባበር እዩ።+ ንሱ ዚወድቆ ድማ ኪሕምሸሽ እዩ” በሎም። ሮሜ 9:31-33 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 31 እስራኤል ግና ንጽድቂ ሕጊ እኳ እንተ ሰዓበ፡ ናብቲ ሕጊ ኣይበጽሐን። 32 ስለምንታይ፧ ብእምነት ዘይኰነስ፡ ብግብሪ እዮም ስዒቦም። በቲ “እምኒ መዐንቀፊ” ተዓንቂፎም እዮም፣+ 33 ከምቲ፡ “እንሆ፡ ኣብ ጽዮን እምኒ+ መዐንቀፍን ከውሒ መሐንኰልን አንብር ኣለኹ፣ ብእኡ ዚኣምን ግና ኣይኪሓፍርን እዩ” ዚብል እተጻሕፈ እዩ።+ 1 ቈረንቶስ 1:23 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 23 ንሕና ግና ነቲ ንኣይሁድ መዐንቀፊ፡ ንኣህዛብ ከኣ ዕሽነት ዝዀነ እተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣለና።+ 1 ጴጥሮስ 2:7, 8 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 7 እምበኣር፡ ንዓኻትኩም ንእትኣምኑ እዩ ኽቡር፣ ነቶም ዘይኣምኑ ግና፡ “እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፡+ ንሱ ርእሲ እምኒ መኣዝን* ኰይኑ ኣሎ፣”+ 8 “እምኒ መዐንቀፍን ከውሒ መሐንኰልን” እውን እዩ።+ ነቲ ቓል ስለ ዘይተኣዘዙ፡ ይዕንቀፉ ኣለዉ። ኣብ መወዳእታ ድማ እዚ እዩ ዚጽበዮም።
42 የሱስ ከኣ ከምዚ በሎም፦ “‘እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ እምኒ መኣዝን* ኰይኑ ኣሎ።+ እዚ ኻብ የሆዋ* እዩ ዀይኑ፣ ኣብ ኣዒንትና እውን ድንቂ እዩ’ ዚብልሲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋትዶ ኸቶ ኣየንበብኩምን፧+
17 ንሱ ግና ጠመቶም እሞ፡ “‘እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ እምኒ መኣዝን* ኰይኑ ኣሎ’ ዚብል ጽሑፍ ደኣ እንታይ ማለት እዩ፧+ 18 እቲ ኣብቲ እምኒ እቲ ዚወድቕ ዅሉ ኺሰባበር እዩ።+ ንሱ ዚወድቆ ድማ ኪሕምሸሽ እዩ” በሎም።
31 እስራኤል ግና ንጽድቂ ሕጊ እኳ እንተ ሰዓበ፡ ናብቲ ሕጊ ኣይበጽሐን። 32 ስለምንታይ፧ ብእምነት ዘይኰነስ፡ ብግብሪ እዮም ስዒቦም። በቲ “እምኒ መዐንቀፊ” ተዓንቂፎም እዮም፣+ 33 ከምቲ፡ “እንሆ፡ ኣብ ጽዮን እምኒ+ መዐንቀፍን ከውሒ መሐንኰልን አንብር ኣለኹ፣ ብእኡ ዚኣምን ግና ኣይኪሓፍርን እዩ” ዚብል እተጻሕፈ እዩ።+
7 እምበኣር፡ ንዓኻትኩም ንእትኣምኑ እዩ ኽቡር፣ ነቶም ዘይኣምኑ ግና፡ “እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፡+ ንሱ ርእሲ እምኒ መኣዝን* ኰይኑ ኣሎ፣”+ 8 “እምኒ መዐንቀፍን ከውሒ መሐንኰልን” እውን እዩ።+ ነቲ ቓል ስለ ዘይተኣዘዙ፡ ይዕንቀፉ ኣለዉ። ኣብ መወዳእታ ድማ እዚ እዩ ዚጽበዮም።