1 ቈረንቶስ
1 ካብቲ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ+ ክርስቶስ የሱስ ኪኸውን እተጸውዐ ጳውሎስን ሶስቴነስ ሓውናን፡ 2 ናብታ ኣብ ቈረንቶስ+ ዘላ ጉባኤ ኣምላኽ፡ ናባኻትኩም ናብቶም ብክርስቶስ የሱስ እተቐደስኩም፡+ ምስቶም ስም እቲ ጐይታኦምን ጐይታናን ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ኵሉ ዚጽውዑ ዘበሉ+ ዅላቶም ከኣ ቅዱሳት ክትኰኑ እተጸዋዕኩም፦
3 ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም።
4 ስለቲ ብክርስቶስ የሱስ እተዋህበኩም ጸጋ ኣምላኽ፡ ኵሉ ሳዕ ብዛዕባኹም ንኣምላኸይ አመስግኖ እየ፣ 5 ምኽንያቱ፡ ብዅሉ፡ ማለት ብዅሉ ዘረባን ብዅሉ ፍልጠትን ሃብቲምኩም ኢኹም፣+ 6 ብዛዕባ ክርስቶስ እተዋህበ ምስክርነት+ ከኣ ኣባኻትኩም ጸኒዑ እዩ፣ 7 ግልጸት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ተሃንጢኹም እናተጸበኹም ድማ፡ ዋላ ሓንቲ ውህበት ኣይጐደለኩምን።+ 8 ኣምላኽ እውን፡ ብመዓልቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ መንቀፊ ዘይብልኩም ክትኰኑ፡ ክሳዕ መወዳእታ ኼጽንዓኩም እዩ።+ 9 እቲ ምስ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ጐይታና ሕብረት* ኪህልወኩም ዝጸውዓኩም ኣምላኽ እሙን እዩ።+
10 ኣሕዋተየ፡ ኵላትኩም ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ፡ ብሓደ ኣእምሮን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ሓድነት ኪህልወኩም እምበር፡+ ኣብ መንጎኹም ፍልልይ ከይህሉ፡+ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እምሕጸነኩም ኣለኹ። 11 ኣሕዋተየ፡ ኣብ መንጎኹም ፍልልይ ከም ዘሎ፡ ብዛዕባኹም እንዳ ቀሎኤ ነጊሮምኒ ኣለዉ። 12 ማለተይ፡ ነፍሲ ወከፍኩም፡ “ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ፡” “ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ፡”+ “ኣነስ እባ ናይ ኬፋ፡”* “ኣነስ እባ ናይ ክርስቶስ” ትብሉ ኢኹም። 13 ክርስቶስዶ ተመቓቒሉ እዩ፧ ጳውሎስዶ ተሰቒሉልኩም እዩ፧ ወይስ ብስም ጳውሎስዶ ተጠሚቕኩም ኢኹም፧ 14 ብዘይካ ንክሪስጶስን+ ንጋይዮስን፡+ ንሓደ ኻባኻትኩም እኳ ስለ ዘየጥመቕኩ፡ ንኣምላኽ አመስግኖ እየ፣ 15 ስለዚ፡ ሓደ እኳ ብስመይ ከም እተጠመቕኩም፡ ኪብል ኣይክእልን እዩ። 16 ንቤተ ሰብ እስጢፋናስ+ እባ ኸኣ ኣጥሚቐዮም እየ። ብዛዕባ ዝተረፉ ግና፡ ንኻልእ ኣጥሚቐ እንተ ዀይነ፡ ኣይፈልጥን እየ። 17 ጕንዲ ስቅያት* ክርስቶስ ከንቱ ምእንቲ ኸይከውንሲ፡ ክርስቶስ፡ ከጥምቕ ዘይኰነስ፡ ብዘይ ጥበብ ዘረባ* ኸበስር እዩ ልኢኹኒ።+
18 ዘረባ ጕንዲ ስቅያትሲ* ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፣+ እንድሕን ንዘለና ንዓና ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ።+ 19 ከመይሲ፡ “ጥበብ እቶም ጥበበኛታት ከጥፍእ እየ፣ ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲ እውን ክነጽግ እየ” ዚብል ተጻሒፉ እዩ።+ 20 ጥበበኛ ኣበይ ኣሎ፧ ጸሓፊ* ኣበይ ኣሎ፧ ተማጓቲ እዚ ስርዓት* እዚ ኣበይ ኣሎ፧ ኣምላኽ ንጥበብ እዛ ዓለም እዚኣዶ ዕሽነት ኣይገበሮን እዩ፧ 21 ስለዚ፡ ዓለም ብጥበባ+ ንኣምላኽ ከም ጥበብ ኣምላኽ ገይራ ኻብ ዘይፈለጠቶ፡+ ኣምላኽ ነቶም ዚኣምኑ ብዕሽነት+ እቲ እተሰብከ ገይሩ ኼድሕኖም ባህ ኢልዎ እዩ።
22 ኣይሁድሲ ትእምርትታት ይልምኑ፡+ ግሪኻውያን ድማ ጥበብ ይደልዩ፣ 23 ንሕና ግና ነቲ ንኣይሁድ መዐንቀፊ፡ ንኣህዛብ ከኣ ዕሽነት ዝዀነ እተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣለና።+ 24 ግናኸ፡ ነቶም እተጸውዑ ኣይሁድ ኰኑ ግሪኻውያን፡ ክርስቶስ ሓይሊ ኣምላኽን ጥበብ ኣምላኽን እዩ።+ 25 ምኽንያቱ፡ ካብ ሰብሲ ዕሽነት ኣምላኽ ይጠብብ፣ ካብ ሰብ ከኣ ድኽመት ኣምላኽ ይብርትዕ።+
26 ኣሕዋተየ፡ ጽውዓኹም እሞ ተመልከቱ፣ ብዙሓት ብስጋ* ጥበበኛታት፡+ ብዙሓት ሓያላት፡ ብዙሓት ደቂ ዓበይቲ ኣይተጸውዑን።+ 27 ኣምላኽ ግና ነቶም ጥበበኛታት ምእንቲ ኼሕፍርሲ፡ ንዕሽነት እዛ ዓለም እዚኣ እዩ ሓርዩ። ኣምላኽ ነቶም ብርቱዓት ምእንቲ ኼሕፍር ከኣ፡ ንድኽመት እዛ ዓለም እዚኣ እዩ ሓርዩ።+ 28 ኣምላኽ ነቲ ሕሱር እዛ ዓለም እዚኣን ነቲ ንዑቕን እዩ ሓርዩ፣ ማለት ነቲ ዚኸውን ከንቱ ምእንቲ ኺገብር፡ ነቲ ዘይከውን እዩ ሓርዩ።+ 29 ከምኡ ዝገበረ ኸኣ ሓደ እኳ* ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይምካሕ እዩ። 30 ግናኸ፡ ንስኻትኩም ሳላኡ ኢኹም ምስቲ ኻብ ኣምላኽ ጥበብን ጽድቅን+ ቅድስናን+ ብጀዋን+ ዝዀነልና ክርስቶስ የሱስ ሓድነት ዘሎኩም፣ 31 እዚ ድማ ከምቲ፡ “እቲ ዚምካሕ፡ ብየሆዋ* ይመካሕ”+ ዚብል እተጻሕፈ ምእንቲ ኪኸውን እዩ።