50 እቲ የሆዋ ብዛዕባ ባቢሎን፡+ ብዛዕባ ምድሪ ከለዳውያን፡ ብነብዪ ኤርምያስ ኣቢሉ እተዛረቦ ቓል፦
2 “ኣብ መንጎ ኣህዛብ ንገሩን ኣውጁን።
ሰንደቕ ዕላማ ኣልዕሉን ኣውጁን።
ገለ እኳ ኣይትሕብኡ!
‘ባቢሎን ተታሒዛ።+
ቤል ሓፊሩ።+
መሮዳክ ተሸቢሩ።
ምስልታታ ሓፊሮም።
ጽዩፋት ጣኦታታ ተሸቢሮም’ በሉ።
3 ካብ ሰሜንሲ ህዝቢ ኣንጻራ ደዪቡ ኣሎ።+
ንምድራ መሰክሒ ገይርዎ ኣሎ፣
ሓደ እኳ ኣብኣ ኣይቅመጥን ኣሎ።
ሰብን እንስሳን ሃዲሞም ኣለዉ፣
ከይዶም ኣለዉ።”