መዝሙር 51:7 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 7 ምእንቲ ኽጸርስ፡ ካብ ሓጢኣተይ ብሃዛብ ኣንጽሃኒ፣+ካብ ውርጪ ኽጽዕዱስ፡ ሕጸበኒ።+ ኢሳይያስ 44:22 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 22 ንኣበሳኻ ኸም ብደበና፡ንሓጢኣትካ እውን ከም ብብርቱዕ ደበና ኽድምስሶ እየ።+ ኣነ ኽብጀወካ እየ እሞ፡ ናባይ ተመለስ።+ ሚክያስ 7:19 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 19 መሊሱ ኺምሕረና፡+ ንስሕተትና ኸኣ ኪስዕሮ* እዩ። ንዅሉ ሓጢኣቶም ናብ መዓሙቝ ባሕሪ ኽትድርብዮ ኢኻ።+