መዝሙር 51:1 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 51 ኦ ኣምላኽ፡ ከምቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ፡ ሞገስካ ኣርእየኒ።+ ከምቲ ዓብዪ ምሕረትካ፡ ኣበሳይ ደምስስ።+ መዝሙር 103:12 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 12 ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ፡ንኣበሳና ኻባና ኣዝዩ ኣርሒቕዎ።+ ኢሳይያስ 1:18 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 18 “እምበኣር፡ ንዑ እሞ ኣብ መንጎና ነገር ነቕንዕ” ይብል የሆዋ።+ “ሓጢኣትኩም ከም ቀይሕ ዝሕብሩ እኳ እንተ ዀነ፡ከም ውርጪ ጻዕዳ ኪኸውን እዩ፣+ከም ድሙቕ ቀይሕ ክዳን እኳ እንተ ዀነ፡ከም ጸምሪ ኪኸውን እዩ። ኢሳይያስ 43:25 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 25 ኣነ፡ ኣነ ንኣበሳኻ* ምእንታይ ኢለ+ ዝድምስስ እየ፣+ሓጢኣትካ ድማ ኣይክዝክሮን እየ።+ ኤርምያስ 33:8 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 8 ካብ ኵሉ እቲ ዝበደሉኒ በደል ከንጽሆም፡+ ኵሉ እቲ ዝበደሉኒ በደልን ኣበሳኦምን ከኣ ይቕረ ኽብል እየ።+ ግብሪ ሃዋርያት 3:19 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 19 “እምበኣር፡ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምሰሰልኩም፡+ ካብ የሆዋ ባዕሉ* ኸኣ እዋን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጸልኩም፡ ተነስሑን+ ተመለሱን፣+
18 “እምበኣር፡ ንዑ እሞ ኣብ መንጎና ነገር ነቕንዕ” ይብል የሆዋ።+ “ሓጢኣትኩም ከም ቀይሕ ዝሕብሩ እኳ እንተ ዀነ፡ከም ውርጪ ጻዕዳ ኪኸውን እዩ፣+ከም ድሙቕ ቀይሕ ክዳን እኳ እንተ ዀነ፡ከም ጸምሪ ኪኸውን እዩ።