-
ዘዳግም 16:14መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
14 ንስኻ ኸኣ ምስ ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ኣብ ውሽጢ ኸተማታትካ ምስ ዘለዉ ሌዋውን ጓናን ዘኽታምን መበለትን ብበዓልካ ተሓጐስ።+
-
-
ኤርምያስ 33:10, 11መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
10 “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ኣብዛ ሰብን ማልን ዘይብላ ባድም እትብላ ቦታ እዚኣ፡ ኣብተን ሰብን ነባርን ማልን ዘይብለን እትብለን ዝባደማ ኸተማታት ይሁዳን ጐደናታት የሩሳሌምን፡ ከም ብሓድሽ ደሃይ ኪስማዕ እዩ፣ 11 እወ፡ ደሃይ ፍስሃን ደሃይ ታሕጓስን፡+ ድምጺ መርዓውን ድምጺ መርዓትን፡ ድምጺ እቶም፡ “የሆዋ ሕያዋይ* እዩ፣+ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡+ ንየሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣመስግንዎ!” ዚብሉን ኪስማዕ እዩ።’
“‘ንምሩኻት እዛ ምድሪ፡ ከም ኣብ መጀመርታ ኽመልሶም እየ እሞ፡ መስዋእቲ ምስጋና ናብ ቤት የሆዋ ኼምጽኡ እዮም’+ ይብል የሆዋ።”
-