-
ህዝቅኤል 10:9-13መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
9 ክጥምት ከለኹ ኸኣ፡ ኣብ ጥቓ እቶም ኪሩቤል ኣርባዕተ መንኰርኰር፡ ኣብ ጥቓ ነፍሲ ወከፍ ኪሩብ ሓደ መንኰርኰር ነበረ፣ ትርኢት እቲ መንኰራዅር ድማ ከም እምኒ ክሪሶሊት ዜንጸባርቕ ነበረ።+ 10 ትርኢቱ ኸኣ፡ ኣርባዕቲኡ ይመሳሰል ነበረ፣ ሓደ መንኰርኰር ኣብ ውሽጢ እቲ ሓደ መንኰርኰር ከም ዘሎ ይመስል ነበረ። 11 ኪኸይድ ከሎ ድማ፡ ከይተጠውየ ናብቲ ርእሲ ዚቐንዓሉ ቦታ ይኸይድ ስለ ዝነበረ፡ ከይተጠውየ ብዝዀነ ኻብቲ ኣርባዕተ ኣንፈት ኪኸይድ ይኽእል ነበረ። 12 ኵሉ ሰብነቶምን ዝባኖምን ኣእዳዎምን ኣኽናፎምን እቲ መንኰራዅርን ኵሉ እቲ ናይ ኣርባዕቲኦም መንኰራዅርን ብዙርያኡ ኣዒንቲ መሊእዎ ነበረ።+ 13 ነቲ መንኰራዅር ከኣ፡ “ተንኰርኰርቲ!” ኢሉ ዝጽውዖም ድምጺ ሰማዕኩ።
-