-
ህዝቅኤል 1:15-18መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
15 ነቶም ህያዋን ፍጡራት ክጥምቶም ከለኹ፡ ኣብ ጥቓ ነፍሲ ወከፍ እቶም ኣርባዕተ ዝገጾም ህያዋን ፍጡራት ሓደ መንኰርኰር ኣብ ምድሪ ነበረ።+ 16 ትርኢት እቲ መንኰራዅርን ኣሰራርሓኡን ከም ክሪሶሊት ዜንጸባርቕ ነበረ፣ ኣርባዕቲኡ ኸኣ ይመሳሰል ነበረ። ትርኢቱን ኣሰራርሓኡን ድማ ሓደ መንኰርኰር ኣብ ውሽጢ ሓደ መንኰርኰር ከም ዘሎ ይመስል ነበረ።* 17 ምስ ዚንቀሳቐስ፡ ኪኸይድ ከሎ ኸይተጠውየ፡ ብዝዀነ እቲ ኣርባዕተ ኣንፈት ኪኸይድ ይኽእል ነበረ። 18 ዕንክሊላቱ ኸኣ ኣዝዩ ነዊሕ ብምዃኑ ዜፍርህ ነበረ፣ ናይ ኣርባዕቲኡ ዕንክሊላት ኣብ ዙርያኡ ኣዒንቲ መሊእዎ ነበረ።+
-