ዘፍጥረት 19:24, 25 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 24 ሽዑ፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ሶዶምን ጎሞራን፡ ዲንን ሓውን ኣዝነመ፣ ካብ የሆዋ፡ ካብ ሰማያት ድማ መጸ።+ 25 ነዘን ከተማታት እዚአን፡ እወ፡ ንብዘሎ እቲ ኸባቢ፡ እንተላይ ንዅሎም ነበርቲ እተን ከተማታትን ንኣትክልቲ ምድርን ገልበጠ።+ ድጕዓ 4:6 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 6 መቕጻዕቲ* ጓል ህዝበይ ካብቲ ንሓጢኣት እታ ብቕጽበት እተገልበጠት፡ዚድግፋ ኢድ እውን ዘይነበራ ሶዶም እተዋህበ መቕጻዕቲ ይዓቢ።+ 2 ጴጥሮስ 2:6 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 6 ንኸተማታት ሶዶምን ጎሞራን ሓምዅሽቲ ብምግባር ድማ፡ ኰኒንወን እዩ፣+ ነቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ብዛዕባ ዚመጾም ነገር ከኣ፡ መሰክሒ ዀይነን ኣለዋ።+
24 ሽዑ፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ሶዶምን ጎሞራን፡ ዲንን ሓውን ኣዝነመ፣ ካብ የሆዋ፡ ካብ ሰማያት ድማ መጸ።+ 25 ነዘን ከተማታት እዚአን፡ እወ፡ ንብዘሎ እቲ ኸባቢ፡ እንተላይ ንዅሎም ነበርቲ እተን ከተማታትን ንኣትክልቲ ምድርን ገልበጠ።+