ዳንኤል 8:16 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 16 ሽዑ፡ ድምጺ እቲ ሰብ ኣብ ማእከል ኡላይ+ ሰማዕኩ፣ ንሱ ኸኣ፡ “ገብርኤል፡+ ንዕኡ እቲ ዝረኣዮ ኣረድኣዮ”+ ኢሉ ጨደረ። ሉቃስ 1:19 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 19 እቲ መልኣኽ ከኣ፡ “ኣነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝቐውም+ ገብርኤል እየ፣+ ክዛረበካን ብዛዕባ እዚ ኸበስረካን ድማ እየ ናባኻ ተላኢኸ።