ዳንኤል 8:16 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 16 ሽዑ፡ ድምጺ እቲ ሰብ ኣብ ማእከል ኡላይ+ ሰማዕኩ፣ ንሱ ኸኣ፡ “ገብርኤል፡+ ንዕኡ እቲ ዝረኣዮ ኣረድኣዮ”+ ኢሉ ጨደረ። ዳንኤል 9:21 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 21 እወ፡ ገና እናጸለኹ ኸለኹ፡ ገብርኤል+ እቲ ኣቐዲመ ብራእይ ርእየዮ ዝነበርኩ ሰብኣይ፡+ ኣጋ ግዜ መባእ ምሸት ኣመና ምስ ደኸምኩ መጸኒ። ሉቃስ 1:26, 27 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 26 ኣብ ሻድሻይ ወርሓ፡ ገብርኤል መልኣኽ+ ካብ ኣምላኽ ናብ ናዝሬት እትብሃል ከተማ ገሊላ ተላእከ፣ 27 ናብታ ኻብ ቤት ዳዊት፡ ንዮሴፍ ዝስሙ ሰብኣይ እተሓጽየት ድንግል+ ድማ እዩ እተላእከ፣ ስም እታ ድንግል ከኣ ማርያም ነበረ።+
26 ኣብ ሻድሻይ ወርሓ፡ ገብርኤል መልኣኽ+ ካብ ኣምላኽ ናብ ናዝሬት እትብሃል ከተማ ገሊላ ተላእከ፣ 27 ናብታ ኻብ ቤት ዳዊት፡ ንዮሴፍ ዝስሙ ሰብኣይ እተሓጽየት ድንግል+ ድማ እዩ እተላእከ፣ ስም እታ ድንግል ከኣ ማርያም ነበረ።+