6 ከምዚ ኸኣ በልኩ፦ “ኦ ኣምላኸይ፡ ስሕተትና ኣብ ልዕሊ ርእስና በዚሑ፡ በደልና እውን ክሳዕ ሰማያት ተዀሚሩ እዩ እሞ፡ ኦ ኣምላኸይ፡ ገጸይ ናባኻ ምልዓል ኣሕፊሩንን ኣሕኒኹንን ኣሎ።+ 7 ካብ ዘመን ኣቦታትና ኣትሒዙ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ በደልና ዓብዪ ዀይኑ ኣሎ፣+ ብሰንኪ ስሕተትና ድማ ንሕናን ነገስታትናን ካህናትናን ከምዚ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ ንሰይፍን+ ንምርኮን+ ንዘመተን+ ንውርደትን ኣብ ኢድ ነገስታት ሃገራት ተዋሂብና ኣለና።+