ማቴዎስ 3:1-3 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 3 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ዮሃንስ+ መጥምቕ ኣብ በረኻ ይሁዳ እናሰበኸ መጸ፣+ 2 “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ፡ ተነስሑ” ድማ በለ።+ 3 እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡+ “ድምጺ ሓደ ኣብ በረኻ ዚጭድር፡ ከምዚ ይብል፦ ‘መገዲ የሆዋ* ኣዳልዉ! ጽርግያታቱ ኣቕንዑ’”+ ተባሂሉ እተነግረሉ ንሱ እዩ። ማቴዎስ 11:7 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 7 እዚኣቶም ኪኸዱ ኸለዉ፡ የሱስ ነቶም ህዝቢ ብዛዕባ ዮሃንስ ከምዚ ኺብሎም ጀመረ፦ “ኣብ በረኻ እንታይ ክትርእዩ ወጺእኩም፧+ ብንፋስ ሰሰው ዚብል ሻምብቆ፧+ ማቴዎስ 11:10 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 10 እቲ፡ ‘እንሆ፡ ኣብ ቅድሜኻ መገድኻ ዚጸርግ ልኡኸይ ቀቅድሜኻ* እልእኽ ኣለኹ’ ተባሂሉ እተጻሕፈሉ፡ ንሱ እዩ።+ ማርቆስ 1:2-4 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 2 ከምቲ ብነብዪ ኢሳይያስ ከምዚ ተባሂሉ እተጻሕፈ፦ “(እንሆ፡ መገድኻ ዚጸርግ ልኡኸይ ቀቅድሜኻ* እልእኽ ኣለኹ።)+ 3 ድምጺ ሓደ ኣብ በረኻ ዚጭድር፡ ከምዚ ይብል፦ ‘መገዲ የሆዋ* ኣዳልዉ! ጽርግያታቱ ኣቕንዑ።’”+ 4 ከምኡ ድማ ዮሃንስ መጥምቕ ኣብ በረኻ ንሕድገት ሓጢኣት ዚኸውን ጥምቀት ንስሓ ይሰብኽ ነበረ።+ ሉቃስ 1:76 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 76 ንስኻ ግና ኣታ ሕጻን፡ መገድታቱ ኸተዳሉ ቐቅድሚ የሆዋ* ኽትከይድ ኢኻ እሞ፡ ነብዪ እቲ ልዑል ክትብሃል ኢኻ፣+ ዮሃንስ 1:6 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 6 ሓደ ሰብ፡ ወኪል ኣምላኽ ኰይኑ ተላኢኹ መጸ፣ ስሙ ዮሃንስ ይብሃል።+ ዮሃንስ 1:23 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 23 ንሱ ኸኣ፡ “ኣነስ ከምቲ ነብዪ ኢሳይያስ ዝበሎ፡ ‘መገዲ የሆዋ* ኣቕንዑ’+ እናበለ ኣብ በረኻ ዚጭድር ድምጺ እየ” በሎም።+ ዮሃንስ 3:28 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 28 ‘ኣነ ቐቅድሚኡ እተለኣኽኩ እምበር፡+ ክርስቶስ ኣይኰንኩን’ ከም ዝበልኩ፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ምስክረይ ኢኹም።+
3 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ዮሃንስ+ መጥምቕ ኣብ በረኻ ይሁዳ እናሰበኸ መጸ፣+ 2 “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ፡ ተነስሑ” ድማ በለ።+ 3 እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡+ “ድምጺ ሓደ ኣብ በረኻ ዚጭድር፡ ከምዚ ይብል፦ ‘መገዲ የሆዋ* ኣዳልዉ! ጽርግያታቱ ኣቕንዑ’”+ ተባሂሉ እተነግረሉ ንሱ እዩ።
2 ከምቲ ብነብዪ ኢሳይያስ ከምዚ ተባሂሉ እተጻሕፈ፦ “(እንሆ፡ መገድኻ ዚጸርግ ልኡኸይ ቀቅድሜኻ* እልእኽ ኣለኹ።)+ 3 ድምጺ ሓደ ኣብ በረኻ ዚጭድር፡ ከምዚ ይብል፦ ‘መገዲ የሆዋ* ኣዳልዉ! ጽርግያታቱ ኣቕንዑ።’”+ 4 ከምኡ ድማ ዮሃንስ መጥምቕ ኣብ በረኻ ንሕድገት ሓጢኣት ዚኸውን ጥምቀት ንስሓ ይሰብኽ ነበረ።+