-
ማርቆስ 1:29-34መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
29 ሽዑ፡ ካብ ምኵራብ ወጺኦም ምስ ያእቆብን ዮሃንስን ናብ እንዳ ስምኦንን እንድርያስን ኣተዉ።+ 30 ሓማት ስምኦን+ ድማ ረስኒ ስለ ዝነበራ፡ ደቂሳ ነበረት፣ ንሳቶም ከኣ ብኡብኡ ብዛዕባኣ ነገርዎ። 31 ናብኣ ቐሪቡ ድማ፡ ብኢዳ ሒዙ ኣተንስኣ እሞ፡ ረስና ሓደጋ። ንሳ እውን ኣገልገለቶም።
32 ጸሓይ ዓሪባ ምስ መሰየ፡ ዝሓመሙን ኣጋንንቲ ዝሓደርዎምን ዘበሉ ዅሎም ኣምጽኡሉ፣+ 33 ብምልእታ እታ ኸተማ ድማ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ተኣከበት። 34 እተፈላለየ ሕማም ንዘለዎም ብዙሓት ኣሕወየ፣+ ብዙሓት ኣጋንንቲ እውን ኣውጽአ፣ ግናኸ፡ ነቶም ኣጋንንቲ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ* ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ፡ ኪዛረቡ ኣይፈቐደሎምን።
-
-
ሉቃስ 4:38-41መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
38 ካብታ ምኵራብ ተንሲኡ፡ ናብ ቤት ስምኦን ኣተወ። ሓማት ስምኦን ከኣ ብርቱዕ ረስኒ ነበራ፣ ኪረድኣ እውን ለመንዎ።+ 39 ኣብ ልዕሊኣ ደው ኢሉ፡ ነቲ ረስና ገንሖ፡ ሓደጋ ድማ። ብቕጽበት ተንሲኣ እውን ኣገልገለቶም።
40 ጸሓይ ክትዓርብ ከላ ኸኣ፡ ኵሎም እቶም እተፈላለየ ሕማም ዝሓመሙ ሰባት ዘለውዎም፡ ናብኡ ኣምጽእዎም። ንሱ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፎም ኣእዳዉ ኣንቢሩ ኣሕወዮም።+ 41 ኣጋንንቲ እውን፡ “ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ”+ ኢሎም እናጨደሩ ኻብ ብዙሓት ወጹ። ግናኸ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ፡ እናገንሐ፡ ኪዛረቡ ኣይፈቕደሎምን ነበረ።+
-