-
ማርቆስ 5:11-17መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
11 ኣብቲ ኸረን ድማ፡ ዓብዪ መጓሰ ሓሰማታት+ ይበልዕ ነበረ።+ 12 እቶም መናፍስቲ ኸኣ፡ “ናብተን ሓሰማታት ስደደና እሞ፡ ናብአን ክንኣቱ” ኢሎም ለመንዎ። 13 ንሱ ድማ ፈቐደሎም። እቶም ርኹሳት መናፍስቲ ወጺኦም ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ፣ እቲ መጓሰ ኸኣ፡ ካብቲ ጸድፊ ነፊጹ ናብ ባሕሪ ኣተወ፣ ኣስታት 2,000 ድማ ነበራ፣ ኣብ ባሕሪ ጥሒለን እውን ሞታ። 14 እቶም ጓሶተን ግና ሃደሙ፡ ኣብ ከተማን ኣብ ገጠርን ከኣ ኣውረዩ፣ ሰባት ድማ፡ እቲ ዝዀነ ኺርእዩ መጹ።+ 15 ናብ የሱስ ምስ መጹ፡ እቲ ለጌዎን ኣጋንንቲ ዝነበርዎ ሰብ፡ ተቐሚጡን ተኸዲኑን ናብ ልቡ ተመሊሱን ረኣይዎ እሞ፡ ፈርሁ። 16 እቶም ዝረኣዩ ድማ፡ እቲ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎ ሰብን እተን ሓሰማታትን እንታይ ከም ዝዀኑ ኣዘንተዉሎም። 17 ንሳቶም ከኣ፡ ካብ ዞባኦም ኬልግስ ኪልምንዎ ጀመሩ።+
-