30 ካባታቶም ርሕቕ ኢሉ፡ መጓሰ ብዙሓት ሓሰማታት ይበልዕ ነበረ።+ 31 እቶም ኣጋንንቲ ድማ፡ “እንተ ኣውጺእካና፡ ናብቲ መጓሰ ሓሰማታት ስደደና” እናበሉ ለመንዎ።+ 32 ንሱ ኸኣ፡ “ኪዱ!” በሎም። ወጺኦም ድማ፡ ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ። እንሆ ኸኣ፡ ብዘሎ እቲ መጓሰ ኻብቲ ጸድፊ ነፊጹ ናብ ባሕሪ ኣተወ፡ ኣብቲ ማያት እውን ሞተ። 33 እቶም ጓሶት ግና ሃዲሞም ናብ ከተማ ኣተዉ፣ ብዛዕባ እቲ ዝዀነ ዅሉ፡ እንተላይ ብዛዕባ እቶም ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ሰባት ከኣ ኣውረዩ።