-
ማርቆስ 6:35-44መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
35 ግዜ ኸይዱ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐሪቦም፡ “እዛ ቦታ እዚኣ ጽምውቲ እያ፡ ግዜ ድማ ከይዱ እዩ።+ 36 ኣብ ከባቢና ናብ ዘሎ ገጠራትን ኣቝሻትን ከይዶም ዚብላዕ ኪዕድጉ፡ ኣሰናብቶም” በልዎ።+ 37 ንሱ ግና፡ “ንስኻትኩም ዚብላዕ ሃብዎም” ኢሉ መለሰሎም። ንሳቶም ከኣ፡ “ኬድናዶ ናይ 200 ዲናር* እንጌራ ዓዲግና ኺበልዑ ኽንህቦም፧” በልዎ።+ 38 ንሱ ድማ፡ “ክንደይ እንጌራ ኣሎኩም፧ ኪዱ ርኣዩ!” በሎም። ምስ ኣረጋገጹ፡ “ሓሙሽተ፡ ክልተ ዓሳ እውን” በልዎ።+ 39 ንዅላቶም ከኣ በብጕጅለ ኣብ ለምለም ሳዕሪ ኪቕመጡ ኣዘዘ።+ 40 ንሳቶም ድማ በብሚእትን በብሓምሳን ተቐመጡ። 41 ነተን ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ፡ ናብ ሰማይ ከኣ ጠሚቱ ባረኸ።+ ነተን እንጌራ ቘሪሱ፡ ነቶም ህዝቢ ኬቕርቡሎም ኢሉ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፣ ነቲ ኽልተ ዓሳ እውን ንዅላቶም መቐሎም። 42 ኵላቶም ድማ በሊዖም ጸገቡ፣ 43 ብዘይካ ኻብቲ ዓሳታት፡ 12 መሶብ ምሉእ ቍርስራስ ኣልዓሉ።+ 44 እቶም ካብቲ እንጌራ ዝበልዑ ድማ፡ 5,000 ሰብኡት ነበሩ።
-
-
ሉቃስ 9:12-17መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
12 መዓልቲ ኽትዓርብ ጀመረት። እቶም ዓሰርተው ክልተ ኸኣ መጺኦም፡ “ኣብዚ ኣብ ጽምዊ ቦታ ኢና ዘለና እሞ፡ እዞም ህዝቢ ኣብ ከባቢና ናብ ዘሎ ኣቝሻትን ገጠርን ከይዶም መሕደርን ዚብላዕን ኪረኽቡስ፡ ኣሰናብቶም” በልዎ።+ 13 ንሱ ግና፡ “ንስኻትኩም ዚብላዕ ሃብዎም” በሎም።+ ንሳቶም ድማ፡ “ንሕና ኼድና ንዅሉ እዚ ህዝቢ ዚብላዕ ክንዕድግ እንተ ዘይኰይኑ፡ ምሳና ዘሎስ ካብ ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣይበዝሕን እዩ” በሉ። 14 ኣስታት 5,000 ሰብኡት ከኣ ይዀኑ ነበሩ። ንሱ ግና ንደቀ መዛሙርቱ፡ “በብሓምሳ ጌርኩም ኣቐምጥዎም” በሎም። 15 ንሳቶም ከኣ ከምቲ ዝበሎም ገበሩ፡ ንዅላቶም እውን ኣቐመጥዎም። 16 ነተን ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ፡ ናብ ሰማይ ጠሚቱ ባረኸ። ቈሪሱ ድማ ነቶም ህዝቢ ምእንቲ ኬቕርቡሎም፡ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም። 17 ኵላቶም ድማ በሊዖም ጸገቡ፣ ዝተረፈ ኸኣ 12 መሶብ ቍርስራስ ኣልዓሉ።+
-
-
ዮሃንስ 6:5-13መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
5 የሱስ ኣዒንቱ ኣልዒሉ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ምስ ረኣየ፡ ንፊልጶስ፡ “እዚኣቶም ምእንቲ ኺበልዑስ እንጌራ ኻበይ ክንዕድግ ኢና፧” በሎ።+ 6 ግናኸ፡ እቲ ኺገብሮ ኢሉ ዝነበረ ይፈልጦ ነበረ እሞ፡ እዚ ዝበሎ ምእንቲ ኺፍትኖ ኢሉ እዩ። 7 ፊልጶስ ከኣ፡ “ናይ 200 ዲናር* እንጌራ እኳ ቘቍራስ ኣይበጽሖምን እዩ” ኢሉ መለሰሉ። 8 ሓደ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ፡ 9 “ሓሙሽተ ጎጎ ስገምን ክልተ ንእሽቶ ዓሳን ዘለዎ ቘልዓ ኣብዚ ኣሎ። እዚኣተን ግና ንኽንድዚ ዚኣክል ሰብ እንታይ ይጠቕማ፧” በሎ።+
10 የሱስ ከኣ፡ “ኣቐምጥዎም” በለ። ኣብታ ቦታ እቲኣ ድማ፡ ብዙሕ ሳዕሪ ነበረ። እቶም ቍጽሮም ኣስታት 5,000 ዚኣኽሉ ሰብኡት ድማ ተቐመጡ።+ 11 የሱስ ድማ ነተን ጎጎታት ኣልዒሉ፡ ኣመስጊኑ፡ ነቶም እተቐመጡ ዓደሎም፣ ካብቲ ንኣሽቱ ዓሳታት ከኣ ከምኡ ኸከም ዝደለይዎ መቐሎም። 12 ምስ ጸገቡ ድማ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ሓንቲ እኳ ኸይትባኽን፡ ዝተረፈ ቝርስራስ ኣክብዎ” በሎም። 13 ስለዚ፡ ኣከብዎ፡ በቲ እቶም ዝበልዑ ዘትረፍዎ ቝርስራስ እተን ሓሙሽተ ጎጎ ስገም ከኣ 12 መሶብ መልኡ።
-