-
ማርቆስ 6:39-44መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
39 ንዅላቶም ከኣ በብጕጅለ ኣብ ለምለም ሳዕሪ ኪቕመጡ ኣዘዘ።+ 40 ንሳቶም ድማ በብሚእትን በብሓምሳን ተቐመጡ። 41 ነተን ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ፡ ናብ ሰማይ ከኣ ጠሚቱ ባረኸ።+ ነተን እንጌራ ቘሪሱ፡ ነቶም ህዝቢ ኬቕርቡሎም ኢሉ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፣ ነቲ ኽልተ ዓሳ እውን ንዅላቶም መቐሎም። 42 ኵላቶም ድማ በሊዖም ጸገቡ፣ 43 ብዘይካ ኻብቲ ዓሳታት፡ 12 መሶብ ምሉእ ቍርስራስ ኣልዓሉ።+ 44 እቶም ካብቲ እንጌራ ዝበልዑ ድማ፡ 5,000 ሰብኡት ነበሩ።
-