-
ማርቆስ 8:1-9መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
8 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ከም ብሓድሽ ብዙሕ ህዝቢ ምስ ተኣከበ፡ ዚብላዕ ኣይነበሮምን እሞ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡ 2 “እዞም ህዝቢ እዚኦም ምሳይ ሰለስተ መዓልቲ ስለ ዝገበሩ፡ ዚብላዕ እውን ስለ ዘይብሎም፡+ የደንግጹኒ ኣለዉ።+ 3 ጾሞም ናብ ቤቶም እንተ ኣሰናቢተዮም፡ ኣብ መገዲ ኺሕለሉ እዮም፣ ገሊኣቶም ከኣ ካብ ርሑቕ እዮም” በሎም። 4 ደቀ መዛሙርቱ ግና፡ “ኣብዚ ጽምዊ ቦታ ደኣ ነዞም ህዝቢ እዚኦም ዜጽግብ እንጌራ ኻበይ ይርከብ፧” ኢሎም መለሱሉ። 5 ንሱ ድማ፡ “ክንደይ እንጌራ ኣሎኩም፧” ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ከኣ፡ “ሸውዓተ” በልዎ።+ 6 ነቶም ህዝቢ ድማ ኣብ ምድሪ ኪቕመጡ ኣዘዞም። ነተን ሸውዓተ እንጌራ ኣልዒሉ፡ ኣመስጊኑ፡ ቈሪሱ፡ ኬቕርቡሎም ኢሉ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፣ ንሳቶም ከኣ ነቶም ህዝቢ ኣቕረቡሎም።+ 7 ሒደት ንኣሽቱ ዓሳታት ድማ ነበሮም፣ ንዕኡ ኸኣ ባሪኹ ሃቦም፡ ኬቕርቡሎም እውን ነገሮም። 8 በሊዖም ድማ ጸገቡ፣ ዝተረፈ ቝርስራስ ከኣ ሸውዓተ ዓብዪ መሶብ መሊኦም ኣልዓሉ።+ 9 ኣስታት 4,000 እውን ነበሩ። ሽዑ፡ ኣሰናበቶም።
-