-
ማቴዎስ 15:32-38መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
32 የሱስ ግና ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡ “እዞም ህዝቢ እዚኦም ምሳይ ሰለስተ መዓልቲ ስለ ዝገበሩ፡ ዚብላዕ እውን ስለ ዘይብሎም፡ የደንግጹኒ ኣለዉ።+ ኣብ መገዲ ምእንቲ ኸይሕለሉ ጾሞም ከሰናብቶም ኣይደልን እየ” በሎም።+ 33 እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ “ኣብዛ ጽምውቲ ቦታ ደኣ ንኽንድዚ ዚኣክል ህዝቢ ዜጽግብ እንጌራ ኻበይ ክንረክብ ኢና፧” በልዎ።+ 34 የሱስ ድማ፡ “ክንደይ እንጌራ ኣሎኩም፧” በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ “ሸውዓተ፡ ሒደት ንኣሽቱ ዓሳ እውን” በልዎ። 35 ነቶም ህዝቢ ኣብ ምድሪ ኪቕመጡ ድሕሪ ምእዛዙ፡ 36 ነተን ሸውዓተ እንጌራን ነቶም ዓሳን ኣልዒሉ፡ ኣመስጊኑ፡ ቈሪሱ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፣ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ነቶም ህዝቢ ሃብዎም።+ 37 ኵላቶም በሊዖም ጸገቡ፣ ዝተረፈ ቝርስራስ ድማ፡ ሸውዓተ ዓብዪ መሶብ መሊኦም ኣልዓሉ።+ 38 እቶም ዝበልዑ ኸኣ፡ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን፡ 4,000 ሰብኡት ነበሩ።
-