መዝሙር 2:7 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 7 ትእዛዝ የሆዋ እስከ ኽነግር፣ንሱ ኸምዚ ኢሉኒ፦ “ንስኻ ወደይ ኢኻ፣+ኣነ ሎሚ ወሊደካ።+ ኢሳይያስ 42:1 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 42 እንሆ፡ ዝድግፎ ጊልያይ!+ ዝሰምሮ*+ ሕሩየይ!+ መንፈሰይ ኣብኡ ኣሕዲረ ኣለኹ፣+ንኣህዛብ ፍትሒ ኼምጽኣሎም እዩ።+ ማቴዎስ 3:17 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 17 እንሆ ድማ፡ ካብ ሰማያት፡ “ዝሰምሮ ፍቑር ወደይ እዚ እዩ”+ ዚብል ድምጺ መጸ።+ 2 ጴጥሮስ 1:17, 18 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 17 ከመይሲ፡ ካብቲ ዓብዪ ግርማ፡ “ኣነ ዝሰምሮ ፍቑር ወደይ እዚ እዩ” ዚብል ቃል* ምስ መጸ፡+ ካብ ኣቦና ኣምላኽ ክብርን ግርማን ተቐቢሉ እዩ። 18 እወ፡ ኣብቲ ቕዱስ ከረን ምስኡ ኸለና፡ ነዚ ድምጺ እዚ ኻብ ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ሰሚዕናዮ ኢና።
17 ከመይሲ፡ ካብቲ ዓብዪ ግርማ፡ “ኣነ ዝሰምሮ ፍቑር ወደይ እዚ እዩ” ዚብል ቃል* ምስ መጸ፡+ ካብ ኣቦና ኣምላኽ ክብርን ግርማን ተቐቢሉ እዩ። 18 እወ፡ ኣብቲ ቕዱስ ከረን ምስኡ ኸለና፡ ነዚ ድምጺ እዚ ኻብ ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ሰሚዕናዮ ኢና።