ሉቃስ 12:33 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 33 ንብረትኩም ሽጡ፡ ምጽዋት እውን ሃቡ።+ ሰራቒ ኣብ ዘይቀርቦ፡ ብልዒ* ኣብ ዘይበልዖ፡ ዘይበሊ ማሕፉዳን ዘይጐድል መዝገብን ኣብ ሰማያት ግበሩ።+ ሉቃስ 18:22 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 22 የሱስ ድማ እዚ ምስ ሰምዐ፡ “ገና ሓንቲ ጐዲላትካ፦ ዘሎካ ዅሉ ሼጥካ ንድኻታት ዓድል፡ ኣብ ሰማያት ከኣ መዝገብ ኪህልወካ እዩ፣ ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን” በሎ።+ ፊልጲ 3:7 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 7 እዚ ንዓይ ረብሓ ዝነበረ ግና፡ ስለ ክርስቶስ ኢለ ኸም ክሳራ ቘጺረዮ እየ።*+
22 የሱስ ድማ እዚ ምስ ሰምዐ፡ “ገና ሓንቲ ጐዲላትካ፦ ዘሎካ ዅሉ ሼጥካ ንድኻታት ዓድል፡ ኣብ ሰማያት ከኣ መዝገብ ኪህልወካ እዩ፣ ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን” በሎ።+