ዳንኤል 9:27 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 27 “ንሱ ድማ ንሓደ ሰሙን፡ ነቲ ኺዳን ኬጽንዖ እዩ፣ ኣብ ፍርቂ እታ ሰሙን ከኣ፡ መስዋእትን መባእን ኬቋርጽ እዩ።+ “ኣብ ክንፊ ጽያፍ ድማ እቲ ዜጥፍእ ኪኸውን እዩ፣+ ክሳዕ ምጽናት ከኣ፡ እቲ እተመደበ ኣብቲ ዝባደመ እውን ኪፈስስ እዩ።” ዳንኤል 11:31 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 31 ካብኡ ዝወጹ ቐላጽም* ከኣ ኪቘሙ እዮም፣ ነታ መቕደስን+ ነቲ ዕርድን ኬርክሱ፡ ነቲ ወትሩ ዚቐርብ* ድማ ኬወግዱ እዮም።+ “ነቲ ዜጥፍእ ጽያፍ ከኣ ኬቝምዎ እዮም።+ ዳንኤል 12:11 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 11 “ካብቲ እቲ ወትሩ ዚቐርብ*+ እተወገደሉን እቲ ዜጥፍእ ጽያፍ ዝቘመሉን+ ድማ፡ 1,290 መዓልቲ ኪኸውን እዩ። ማርቆስ 13:14-18 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 14 “ግናኸ፡ እቲ ዜጥፍእ ጽያፍ ኣብ ዘይግብኦ ደው ኢሉ ምስ ረኣኹም፡+ (እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡) ሽዑ፡ እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ።+ 15 ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ ኣይውረድ፡ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኢሉ እውን ኣይእቶ፣ 16 ኣብ ግራት ዘሎ ድማ፡ ክዳኑ ኺወስድ ንድሕሪት ኣይመለስ። 17 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይለአን!+ 18 እዚ ብኽረምቲ ኸይከውን ብቐጻሊ ጸልዩ፣ ሉቃስ 21:20 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 20 “ግናኸ፡ የሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ ምስ ረኣኹም፡+ ሽዑ ጥፍኣታ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ።+
27 “ንሱ ድማ ንሓደ ሰሙን፡ ነቲ ኺዳን ኬጽንዖ እዩ፣ ኣብ ፍርቂ እታ ሰሙን ከኣ፡ መስዋእትን መባእን ኬቋርጽ እዩ።+ “ኣብ ክንፊ ጽያፍ ድማ እቲ ዜጥፍእ ኪኸውን እዩ፣+ ክሳዕ ምጽናት ከኣ፡ እቲ እተመደበ ኣብቲ ዝባደመ እውን ኪፈስስ እዩ።”
31 ካብኡ ዝወጹ ቐላጽም* ከኣ ኪቘሙ እዮም፣ ነታ መቕደስን+ ነቲ ዕርድን ኬርክሱ፡ ነቲ ወትሩ ዚቐርብ* ድማ ኬወግዱ እዮም።+ “ነቲ ዜጥፍእ ጽያፍ ከኣ ኬቝምዎ እዮም።+
14 “ግናኸ፡ እቲ ዜጥፍእ ጽያፍ ኣብ ዘይግብኦ ደው ኢሉ ምስ ረኣኹም፡+ (እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡) ሽዑ፡ እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ።+ 15 ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ ኣይውረድ፡ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኢሉ እውን ኣይእቶ፣ 16 ኣብ ግራት ዘሎ ድማ፡ ክዳኑ ኺወስድ ንድሕሪት ኣይመለስ። 17 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይለአን!+ 18 እዚ ብኽረምቲ ኸይከውን ብቐጻሊ ጸልዩ፣