-
ሉቃስ 8:51-56መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
51 ናብታ ቤት ምስ በጽሐ፡ ብዘይካ ጴጥሮስን ዮሃንስን ያእቆብን ኣቦ እታ ጓልን ኣዲኣን፡ ሓደ እኳ ምስኡ ኺኣቱ ኣይፈቐደን። 52 ኵላቶም ድማ ይበኽዩላን ደረቶም ይወቕዑላን ነበሩ። ንሱ ኸኣ፡ “ደቂሳ ኣላ እምበር፡ ኣይሞተትን+ እሞ፡ ደጊም ኣይትብከዩ”+ በሎም። 53 ንሳቶም ከኣ ከም ዝሞተት ስለ ዝፈለጡ፡ ሰሓቕዎ። 54 ንሱ ግና ብኢዳ ሒዙ፡ ዓው ኢሉ፡ “ኣቲ ጓል፡ ተንስኢ!” በላ።+ 55 መንፈሳ*+ ተመልሰ እሞ፡ ብኡብኡ ተንስአት፣+ ንሱ ድማ ዚብላዕ ኪውሃባ ኣዘዘ። 56 ወለዳ ኸኣ ብታሕጓስ ዚገብርዎ ጠፍኦም፣ ንሱ ግና እቲ ዝዀነ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ኣዘዞም።+
-