-
ማርቆስ 5:38-43መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
38 ናብ ቤት እቲ መራሕ ምኵራብ ከኣ መጹ፣ ጫውጫው ዚብሉን ዚበኽዩን ብዙሕ ዋይዋይ ዚብሉን ረኣየ።+ 39 ምስ ኣተወ፡ “ስለምንታይ ትበኽዩን ዋይዋይ ትብሉን ኣለኹም፧ እዛ ቘልዓ ደቂሳ ኣላ እምበር፡ ኣይሞተትን” በሎም።+ 40 ንሳቶም ከኣ ሰሓቕዎ። ንሱ ግና ንዅላቶም ምስ ኣውጽኦም፡ ንኣቦ እታ ቘልዓን ንኣዲኣን ነቶም ምስኡ ዝነበሩን ተማሊኡ፡ ናብቲ እታ ቘልዓ ዝነበረቶ ኣተወ። 41 ነታ ቘልዓ ብኢዳ ሒዙ ድማ፡ “ጣሊታ ቁሚ” በላ፣ ትርጉሙ ኸኣ፡ “ኣቲ ጓል፡ ተንስኢ እብለኪ ኣለኹ” እዩ።+ 42 ብኡብኡ ኸኣ፡ እታ ጓል ተንሲኣ ተዛወረት። (12 ዓመት ገይራ ነበረት።) ሽዑ፡ ብታሕጓስ ፍንጭሕ በሉ። 43 ንሱ ግና ንሓደ እኳ ብዛዕባ እዚ ኸየፍልጡ ደጋጊሙ* ኣዘዞም፣+ ዚብላዕ ኪህብዋ ኸኣ ነገሮም።
-