-
ማቴዎስ 16:5-12መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
5 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ ስግር ሰገሩ፣ ምምላእ እንጌራ ኸኣ ረስዑ።+ 6 የሱስ ከኣ፡ “ካብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ተጠንቀቑን ተሓለዉን” በሎም።+ 7 ንሳቶም ድማ፡ “እንጌራ ስለ ዘይተማላእና እዩ” እናበሉ ተዛራረቡ። 8 የሱስ ነዚ ፈሊጡ፡ ከምዚ በሎም፦ “ኣቱም ጐደሎ ዝእምነቶም፡ ስለምንታይ እንጌራ ስለ ዘይብልኩም ትዛራረቡ ኣለኹም፧ 9 እቲ ሓሙሽተ እንጌራ ን5,000 ኣኺሉስ ክንደይ መሶብ ከም ዘልዓልኩምዶ ገና ኣይተስተውዕሉን ወይ ኣይትዝክሩን ኢኹም፧+ 10 ወይስ እቲ ሸውዓተ እንጌራ ን4,000 ኣኺሉስ ክንደይ ዓብዪ መሶብ ኢኹም ዘልዓልኩም፧+ 11 ብዛዕባ እንጌራ ኸም ዘይተዛረብኩኹም ከመይ ዘይተስተውዕሉ፧ ግናኸ ኻብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ተሓለዉ።”+ 12 ሽዑ፡ ካብ ማይ ብሑቝ እንጌራ ዘይኰነስ፡ ካብ ትምህርቲ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ኪሕለዉ ኸም ዝበሎም ኣስተውዓሉ።
-