ማቴዎስ 13:55 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 55 እዝስ ወዲ እቲ ጸራቢ ደይኰነን፧+ ኣዲኡስ ማርያም እትብሃል ደይኰነትን፧ ኣሕዋቱኸ ያእቆብን ዮሴፍን ስምኦንን ይሁዳን ደይኰኑን፧+ ዮሃንስ 2:12 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 12 ድሕርዚ፡ ንሱን ኣዲኡን ኣሕዋቱን+ ደቀ መዛሙርቱን ናብ ቅፍርናሆም ወረዱ፣+ ኣብኡ ግና ብዙሕ መዓልትታት ኣይጸንሑን። ግብሪ ሃዋርያት 1:14 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 14 ኵሎም እዚኣቶም፡ ምስ ገሊአን ኣንስትን+ ምስ ማርያም ኣደ የሱስን ምስ ኣሕዋቱን+ ኰይኖም፡ ሓቢሮም ጸሎት የዘውትሩ ነበሩ።