-
ማርቆስ 6:17-20መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
17 ከመይሲ፡ ሄሮድስ ንዮሃንስ፡ ብሰሪ እታ እተመርዓዋ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ፡ ልኢኹ ሒዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሲርዎ ነበረ።+ 18 ምኽንያቱ፡ ዮሃንስ ንሄሮድስ፡ “ሰበይቲ ሓውካ ናትካ ኽትገብራ ኣይተፈቕደልካን” ይብሎ ነበረ።+ 19 ሄሮድያዳ ኸኣ ተቐየመቶ፡ ክትቀትሎ እውን ትደሊ ነበረት፣ ግናኸ ኣይከኣለትን። 20 ሄሮድስሲ ንዮሃንስ፡ ጻድቕን ቅዱስን ሰብኣይ ምዃኑ ፈሊጡ ይፈርሆ ነበረ፣+ ይሕልዎ ኸኣ ነበረ። መምስ ሰምዖ ድማ፡ ዚገብሮ ይጠፍኦ ነበረ፣ ግናኸ፡ ተሓጒሱ ይሰምዖ ነበረ።
-