-
ማቴዎስ 12:9-14መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
9 ካብኡ ምስ ሓለፈ፡ ናብ ምኵራቦም ከደ። 10 እንሆ ድማ፡ ኢዱ ዝነቐጸት* ሰብኣይ ኣብኡ ነበረ።+ ምእንቲ ኪኸስስዎ ኸኣ፡ “ብሰንበት ምሕዋይዶ ተፈቒዱ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ።+ 11 ንሱ ድማ፡ “ካባኻትኩምከ ሓንቲ በጊዕ ዘላቶ እሞ፡ ብሰንበት ኣብ ጕድጓድ እንተ ወዲቓ፡ ዘይሕዛን ዘየውጽኣን ሰብ ኣሎዶ፧+ 12 ካብ በጊዕሲ ሰብዶ ኣዝዩ ኣይበልጽን! እምበኣር፡ ብሰንበት ጽቡቕ ምግባር ተፈቒዱ እዩ” በሎም። 13 ሽዑ፡ ነቲ ሰብኣይ፡ “ኢድካ ዘርግሕ” በሎ። ንሱ ድማ ዘርግሓ፣ ሓውያ እውን ከምታ ኻልአይታ ዀነት። 14 እቶም ፈሪሳውያን ግና ምስ ወጹ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዚቐትልዎ ውዲት ኣለሙ።
-
-
ማርቆስ 3:1-6መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
3 ከም ብሓድሽ ድማ፡ ናብ ምኵራብ ኣተወ፣ ኣብኡ ኸኣ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ነበረ።+ 2 ምእንቲ ኪኸስስዎ ድማ፡ ነቲ ሰብኣይ ብሰንበት እንተ ኣሕወዮ፡ ይከታተልዎ ነበሩ። 3 ንሱ ኸኣ ነቲ ኢዱ ዝነቐጸት* ሰብኣይ፡ “ተንስእ እሞ፡ ንዓ ናብ ማእከል” በሎ። 4 ንዓታቶም ድማ፡ “ብሰንበትሲ ጽቡቕ ምግባር ድዩ ተፈቒዱ ወይስ ክፉእ ምግባር፡ ንህይወት* ምድሓን ድዩ ወይስ ምቕታል፧”+ በሎም። ንሳቶም ግና ኣጽቀጡ። 5 በቲ ትሪ ልቦም+ ጕህዩ ብቝጥዓ ግልጽ ግልጽ ኢሉ ምስ ጠመቶም ከኣ፡ ነቲ ሰብኣይ፡ “ኢድካ ዘርግሕ” በሎ። ንሱ ድማ ዘርግሓ፡ ኢዱ እውን ሓወየት። 6 ሽዑ፡ እቶም ፈሪሳውያን ወጹ፣ ብኡብኡ ኸኣ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዚቐትልዎ፡ ምስ ሄሮድሳውያን+ ኰይኖም ብዛዕባኡ ተማኸሩ።
-