2 ዮሃንስ ግና፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ፡+ ብዛዕባ ግብርታት ክርስቶስ ምስ ሰምዐ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ልኢኹ፡+ 3 “እቲ ዚመጽእሲ ንስኻ ዲኻ፡ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧” ኢሉ ሓተቶ።+ 4 የሱስ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ኬድኩም፡ እዚ እትሰምዕዎን እትርእይዎን ዘለኹም ንዮሃንስ ንገርዎ፦+ 5 ዕዉራት ይርእዩ፡+ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ድዉያት ይነጽሁ፡+ ጸማማት ይሰምዑ፡ ምዉታት ይትንስኡ፡ ድኻታት ድማ ይብሰሩ ኣለዉ።+ 6 እቲ ብኣይ ዘይዕንቀፍ፡ ሕጉስ እዩ።”+