-
ሉቃስ 7:18-23መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
18 ንዮሃንስ ድማ፡ ደቀ መዛሙርቱ እዚ ዅሉ ነገርዎ።+ 19 ዮሃንስ ከኣ ክልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡ “እቲ ዚመጽእሲ ንስኻ ዲኻ፡+ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧” ኢሉ ናብ ጐይታ ለኣኾም። 20 እቶም ሰባት ናብኡ ምስ መጹ፡ “ዮሃንስ መጥምቕ፡ ‘እቲ ዚመጽእሲ ንስኻ ዲኻ፡ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧’ ኢሉ ናባኻ ልኢኹና” በልዎ። 21 በታ ሰዓት እቲኣ፡ ሕማምን ቃንዛን እኩያት መናፍስትን ዘለዎም ብዙሓት ኣሕወየ፡+ ንብዙሓት ዕዉራት እውን ከም ዚርእዩ ገበሮም። 22 ከምዚ ኢሉ ድማ መለሰሎም፦ “ኬድኩም፡ ዝረኣኹምዎን ዝሰማዕኩምዎን ንዮሃንስ ንገርዎ፦ ዕዉራት ይርእዩ፡+ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ድዉያት ይነጽሁ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡+ ምዉታት ይትንስኡ፡ ድኻታት ድማ ይብሰሩ ኣለዉ።+ 23 እቲ ብኣይ ዘይዕንቀፍ፡ ሕጉስ እዩ።”+
-