ማርቆስ 12:31 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 31 እታ ኻልአይቲ እዚኣ እያ፦ ‘ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ።’+ ካብዚኣተን እትዓቢ ኻልእ ትእዛዝ የላን።” ዮሃንስ 13:34 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 34 ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡+ ንስኻትኩም እውን ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣለኹ።+ 1 ተሰሎንቄ 4:9 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 9 ብዛዕባ ሕውነታዊት ፍቕሪ ግና፡+ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ ኻብ ኣምላኽ ተማሂርኩም ኢኹም እሞ፡ ክንጽሕፈልኩም ኣየድልየናን እዩ።+ 1 ጴጥሮስ 4:8 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 8 ፍቕሪ ብዙሕ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ፡+ ቅድሚ ዅሉ ንሓድሕድኩም ሓያል ፍቕሪ ትሃሉኹም።+