ዘሌዋውያን 19:18 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 18 “‘ኣብ ልዕሊ ደቂ ህዝብኻ ሕነ ኣይትፍደን+ ኣይትቀየምን፣ ንብጻይካ ኸኣ ከም ነፍስኻ ኣፍቅሮ።+ ኣነ የሆዋ እየ። ዮሃንስ 15:12 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 12 ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ትእዛዘይ እዚ እዩ።+ 1 ተሰሎንቄ 4:9 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 9 ብዛዕባ ሕውነታዊት ፍቕሪ ግና፡+ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ ኻብ ኣምላኽ ተማሂርኩም ኢኹም እሞ፡ ክንጽሕፈልኩም ኣየድልየናን እዩ።+ ያእቆብ 2:8 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 8 ከምቲ፡ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” ዚብል ቅዱስ ጽሑፍ ጌርኩም ነቲ ንጉሳዊ ሕጊ እንተ ፈጺምኩምዎስ፡+ ጽቡቕ ትገብሩ ኣለኹም። 1 ጴጥሮስ 1:22 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 22 ንሓቂ ብዘሎኩም ተኣዛዝነት ርእስኹም* ካብ ኣንጻህኩም እሞ ግብዝና ዘይብላ ሕውነታዊት ፍቕሪ ኻብ ሃለወትኩም፡+ ካብ ልቢ፡ ንሓድሕድኩም ኣጸቢቕኩም ተፋቐሩ።+ 1 ዮሃንስ 3:14 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 14 ንሕና ንኣሕዋትና ስለ እነፍቅሮም፡+ ካብ ሞት ናብ ህይወት ከም እተሳገርና ንፈልጥ ኢና።+ እቲ ዘየፍቅር፡ ኣብ ሞት ይነብር።+
22 ንሓቂ ብዘሎኩም ተኣዛዝነት ርእስኹም* ካብ ኣንጻህኩም እሞ ግብዝና ዘይብላ ሕውነታዊት ፍቕሪ ኻብ ሃለወትኩም፡+ ካብ ልቢ፡ ንሓድሕድኩም ኣጸቢቕኩም ተፋቐሩ።+