-
ግብሪ ሃዋርያት 28:17-19መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
17 ግናኸ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፡ ነቶም ኣውራታት ኣይሁድ ጸዊዑ ኣከቦም። ምስ ተኣከቡ ኸኣ፡ “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ኣንጻር ህዝብና ወይ ኣንጻር ልምዲ ኣቦታትና+ ሓንቲ ዘይገበርኩ ኽነሰይ፡ ካብ የሩሳሌም እሱር ኰይነ ናብ ኢድ ሮማውያን ተዋሂበ።+ 18 ንሳቶም መርሚሮም+ ናብ ሞት ዜብጽሕ ምኽንያት ምስ ሰኣኑለይ ከኣ፡ ኪፈትሑኒ ደልዮም ነይሮም።+ 19 ኣይሁድ ምስ ተቓወሙ ግና፡ ናብ ቄሳር ይግባይ ክብል ተገዲደ፣+ ግናኸ፡ ንህዝበይሲ ዝኸስሰሉ ነገር ስለ ዘሎኒ ኣይኰነን።
-