ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 29 ኣነ ምስ ኣልገስኩ፡ ሕሱማት ተዃሉ ኸም ዚኣትዉኹምን+ ነቲ መጓሰ ኸም ዘየናሕስዩሉን፡ እፈልጥ እየ፣ 30 ካባኻትኩም ከኣ ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡ፡ ቄናን ነገር ዚዛረቡ ኺትንስኡ እዮም።+ 1 ቈረንቶስ 1:12 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 12 ማለተይ፡ ነፍሲ ወከፍኩም፡ “ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ፡” “ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ፡”+ “ኣነስ እባ ናይ ኬፋ፡”* “ኣነስ እባ ናይ ክርስቶስ” ትብሉ ኢኹም። 1 ጢሞቴዎስ 4:1 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 4 በቲ ዳሕራይ እዋናት ግና፡ ገሊኦም ብድራኸ መንፈስ ናብ ዚዝረብ ዜስሕት ዘረባታትን*+ ናብ ትምህርትታት ኣጋንንትን እናኣቕለቡ፡ ካብ እምነት ከም ዚወድቁ፡ እቲ ብድራኸ መንፈስ እተዘርበ ቓል* ብንጹር ይብል እዩ። 2 ጴጥሮስ 2:1 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 2 ግናኸ፡ ከምቲ ናይ ሓሶት ነብያት ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ዝነበሩ፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ መንጎኹም ናይ ሓሶት መምህራን ኪህልዉ እዮም።+ ንሳቶም ዜጥፍእ ኑፋቐ ሰላሕ ኣቢሎም ኬእትዉን ነቲ ዝዓደጎም ዋና እኳ ኪኽሕድዎን እዮም፣+ ኣብ ርእሶም እውን ቅልጡፍ ጥፍኣት ኬምጽኡ እዮም።
29 ኣነ ምስ ኣልገስኩ፡ ሕሱማት ተዃሉ ኸም ዚኣትዉኹምን+ ነቲ መጓሰ ኸም ዘየናሕስዩሉን፡ እፈልጥ እየ፣ 30 ካባኻትኩም ከኣ ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡ፡ ቄናን ነገር ዚዛረቡ ኺትንስኡ እዮም።+
4 በቲ ዳሕራይ እዋናት ግና፡ ገሊኦም ብድራኸ መንፈስ ናብ ዚዝረብ ዜስሕት ዘረባታትን*+ ናብ ትምህርትታት ኣጋንንትን እናኣቕለቡ፡ ካብ እምነት ከም ዚወድቁ፡ እቲ ብድራኸ መንፈስ እተዘርበ ቓል* ብንጹር ይብል እዩ።
2 ግናኸ፡ ከምቲ ናይ ሓሶት ነብያት ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ዝነበሩ፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ መንጎኹም ናይ ሓሶት መምህራን ኪህልዉ እዮም።+ ንሳቶም ዜጥፍእ ኑፋቐ ሰላሕ ኣቢሎም ኬእትዉን ነቲ ዝዓደጎም ዋና እኳ ኪኽሕድዎን እዮም፣+ ኣብ ርእሶም እውን ቅልጡፍ ጥፍኣት ኬምጽኡ እዮም።