ራእይ 8:7, 8 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 7 እቲ ቐዳማይ መልኣኽ መለኸቱ ነፍሐ። ደም እተሓወሶ በረድን ሓውን ኰነ፡ ናብ ምድሪ እውን ተደርበየ፣+ ሲሶ ምድሪ ኸኣ ነደደ፡ ሲሶ ኣእዋም እውን ነደደ፡ ኵሉ ለምለም ኣትክልቲ ድማ ነደደ።+ 8 እቲ ኻልኣይ መልኣኽ መለኸቱ ነፍሐ። ከም ዓብዪ ኸረን ዝበለ ኸኣ ብሓዊ እናነደደ ናብ ባሕሪ ተደርበየ።+ ሲሶ ባሕሪ ድማ ደም ኰነ፣+ ራእይ 8:10 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 10 እቲ ሳልሳይ መልኣኽ መለኸቱ ነፍሐ። ዓብዪ ኰዀብ ከም መብራህቲ እናነደደ ኻብ ሰማይ ወደቐ፣ ኣብ ሲሶ ኣፍላግን ዓይኒ ማያትን ከኣ ወደቐ።+ ራእይ 8:12 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 12 እቲ ራብዓይ መልኣኽ መለኸቱ ነፍሐ። ሲሶኦም ምእንቲ ኺጽልምትን+ ሲሶ መዓልቲ ምእንቲ ኸይበርህን ለይቲ እውን ከምኡ ምእንቲ ኪኸውንን፡ ሲሶ ጸሓይን+ ሲሶ ወርሕን ሲሶ ኸዋኽብትን ተወቕዐ። ራእይ 9:1 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 9 እቲ ሓምሻይ መልኣኽ መለኸቱ ነፍሐ።+ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ዝወደቐ ኰዀብ ከኣ ረኣኹ፣ መፍትሕ ጕድጓድ መዓሙቝ+ እውን ተዋህቦ። ራእይ 9:13 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 13 እቲ ሻድሻይ መልኣኽ+ መለኸቱ ነፍሐ።+ ካብ ኣቕርንቲ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎ መሰውኢ ወርቂ+ ኸኣ ድምጺ ሰማዕኩ፣ ራእይ 11:15 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 15 እቲ ሻውዓይ መልኣኽ መለኸቱ ነፍሐ።+ ኣብ ሰማይ ከኣ፡ “መንግስቲ ዓለም ናይ ጐይታናን+ ናይቲ ክርስቶሱን+ ኰይና እያ፣ ንዘለኣለመ ኣለም እውን ኪነግስ እዩ”+ ዚብል ዓው ዝበለ ድምጽታት ኰነ።
7 እቲ ቐዳማይ መልኣኽ መለኸቱ ነፍሐ። ደም እተሓወሶ በረድን ሓውን ኰነ፡ ናብ ምድሪ እውን ተደርበየ፣+ ሲሶ ምድሪ ኸኣ ነደደ፡ ሲሶ ኣእዋም እውን ነደደ፡ ኵሉ ለምለም ኣትክልቲ ድማ ነደደ።+ 8 እቲ ኻልኣይ መልኣኽ መለኸቱ ነፍሐ። ከም ዓብዪ ኸረን ዝበለ ኸኣ ብሓዊ እናነደደ ናብ ባሕሪ ተደርበየ።+ ሲሶ ባሕሪ ድማ ደም ኰነ፣+
12 እቲ ራብዓይ መልኣኽ መለኸቱ ነፍሐ። ሲሶኦም ምእንቲ ኺጽልምትን+ ሲሶ መዓልቲ ምእንቲ ኸይበርህን ለይቲ እውን ከምኡ ምእንቲ ኪኸውንን፡ ሲሶ ጸሓይን+ ሲሶ ወርሕን ሲሶ ኸዋኽብትን ተወቕዐ።
15 እቲ ሻውዓይ መልኣኽ መለኸቱ ነፍሐ።+ ኣብ ሰማይ ከኣ፡ “መንግስቲ ዓለም ናይ ጐይታናን+ ናይቲ ክርስቶሱን+ ኰይና እያ፣ ንዘለኣለመ ኣለም እውን ኪነግስ እዩ”+ ዚብል ዓው ዝበለ ድምጽታት ኰነ።