መዝሙር
ንኣላዪ። ናይ ደቂ ቆራሕ።+ መዝሙር።
49 ኣቱም ህዝቢ ዅልኹም፡ እዚ ስምዑ።
3 ኣፈይ ጥበብ ክትዛረብ፡
ምስትንታን ልበይ+ ከኣ ምስትውዓል ኬውስእ እዩ።
4 ናብ ምስላታት ከቕልብ፡
ሕንቅሕንቅሊተየይ ብመሰንቆ* ኽገልጽ እየ።
6 እቶም ብጥሪቶም ዚእመኑ፡+
ብብዝሒ ሃብቶም ድማ ዚምክሑ፡+
7 ዋላ ሓዲኦም ንሓዉ ኺብጀዎ፡
ወይ በጃ ንኣምላኽ ኪህበሉ ዚኽእል የልቦን፣+
8 (ዋጋ በጃ ህይወቶምሲ* ኣዝዩ ኽቡር ብምዃኑ፡
ወትሩ ኻብ ዓቕሞም ንላዕሊ እዩ)፣
11 ኣባይቶም ንዘለኣለም፡
ድንኳናቶም ንውሉድ ወለዶ ኺነብር ብውሽጦም ይምነዩ።
ንምድሮም በብስሞም ሰምዮምዎ ኣለዉ።
13 እዚኣ መገዲ ዓያሹን+
መገዲ እቶም በቲ ባዶ ቓላቶም ባህ ኢልዎም ዚስዕብዎምን እያ። (ሴላ)
14 ከም ኣባጊዕ ናብ መቓብር* ተመዲቦም እዮም።
ሞት ኪጓስዮም እዩ፣
ንግሆ፡ ቅኑዓት ኪገዝእዎም እዮም።+
18 ብህይወቱ ኸሎስ፡ ንርእሱ፡* ‘እንቋዕ ሓጐሰኪ’ ይብላ።+
(ሰባትሲ ምስ በልጸግካ ይውድሱኻ እዮም።)+
19 ኣብ መወዳእታ ግና፡ ምስ ወለዶ ኣቦታቱ ይጽምበር።
ንሳቶምሲ ብርሃን ከቶ ኣይርእዩን እዮም።
20 እቲ ነዚ ዘይርድኦ ሰብ፡ ዋላ እኳ ዚኽበር እንተ ዀነ፡+
ካብ ዚጠፍኡ እንስሳታት ኣይሓይሽን እዩ።