ዘጸኣት
9 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ናብ ፈርኦን ኣቲኻ፡ ከምዚ በሎ፦ ‘የሆዋ ኣምላኽ እብራውያን ከምዚ ይብል ኣሎ፦ “ምእንቲ ኼገልግሉኒ፡ ንህዝበይ ስደዶም።+ 2 ምስዳዶም እንተ ኣቢኻን እንተ ሒዝካዮምን ግና፡ 3 እንሆ፡ ኢድ የሆዋ+ ኣንጻር እተን ኣብ መሮር ዘለዋ ማልካ ኽትመጽእ እያ። ኣብ ኣፍራስን ኣብ ኣእዱግን ኣብ ኣግማልን ኣብ ከብትን ኣብ ጤለ በጊዕን ኣዝዩ ብርቱዕ ለበዳ+ ኪኸውን እዩ። 4 የሆዋ ኸኣ ኣብ መንጎ ማል እስራኤልን ኣብ መንጎ ማል ግብጽን ብርግጽ ፍልልይ ኪገብር እዩ፣ ካብ ኵለን ናይ እስራኤላውያን ድማ ሓንቲ እኳ ኣይክትመውትን እያ።”’”+ 5 የሆዋ ኸኣ፡ “የሆዋ፡ ጽባሕ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ፡ እዚ ነገር እዚ ኺገብር እዩ” ኢሉ ግዜ መደበ።
6 ንጽብሒቱ፡ የሆዋ፡ እዚ ነገር እዚ ገበረ፣ ኵለን ዓይነት ማል ግብጺ ድማ ኪሞታ ጀመራ፣+ ካብ ማል እስራኤል ግና ሓንቲ እኳ ኣይሞተትን። 7 ፈርኦን ምስ መርመረ፡ እንሆ፡ ካብ ማል እስራኤል ሓንቲ እኳ ኣይሞተትን። ልቢ ፈርኦን ግና ተረረ፡ ነቲ ህዝቢ እውን ኣይሰደዶን።+
8 ድሕርዚ፡ የሆዋ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ በሎም፦ “ብኣእዳውኩም ሓምዅሽቲ እቶን ሓፊንኩም ውሰዱ፣ ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ናብ ሰማይ ኣቢሉ ፋሕ የብሎ። 9 ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ተጐጓ ኪኸውን እዩ፣ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ድማ ኣብ ሰብን ኣብ እንስሳን ፎቕፎቕ ዚብል ምጕልንጭዋ ኪኸውን እዩ።”
10 ሽዑ፡ ሓምዅሽቲ እቶን ወሲዶም ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ደው በሉ፣ ሙሴ ኸኣ ናብ ሰማይ ኣቢሉ ፋሕ ኣበሎ፣ ኣብ ሰብን ኣብ እንስሳን ድማ ፎቕፎቕ ዚብል ምጕልንጭዋ ዀነ። 11 እቶም ስሒር ዚገብሩ ኻህናት ብምኽንያት እቲ ኣብቶም ስሒር ዚገብሩ ኻህናትን ኣብ ኵሎም ግብጻውያንን ዝዀነ ምጕልንጭዋ ኣብ ቅድሚ ሙሴ ደው ኪብሉ ኣይከኣሉን።+ 12 የሆዋ ግና ንልቢ ፈርኦን ኪተርር ሓደጎ፣ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝበሎ፡ ኣይሰምዖምን።+
13 ሽዑ፡ የሆዋ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ኣንጊህካ ተንሲእካ፡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ደው በል እሞ፡ ከምዚ በሎ፦ ‘የሆዋ ኣምላኽ እብራውያን ከምዚ ይብል ኣሎ፦ “ምእንቲ ኼገልግሉኒ፡ ንህዝበይ ስደዶም። 14 ኣብ ኵላ ምድሪ ኸማይ ዝበለ ኸም ዘየልቦ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡+ ሕጂ ዅሉ መዓተይ ናብ ልብኻን ናብ ገላዉኻን ናብ ህዝብኻን እሰድድ ኣለኹ። 15 ክሳዕ ሕጂ ንዓኻን ንህዝብኻን ብብርቱዕ ለበዳ ምወቓዕኩኻ ነይረ፣ ንስኻ እውን ካብ ምድሪ ምተደምሰስካ ኔርካ። 16 ግናኸ፡ ሓይለይ ምእንቲ ኸርእየካ፡ ስመይ ድማ ኣብ ኵላ ምድሪ ምእንቲ ኺውረ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣንቢረካ።+ 17 ብዘይምስዳድካዶ ገና ኣብ ህዝበይ ትዕበ ኣለኻ፧ 18 እንሆ፡ ካብ እትስረት መዓልቲ ኽሳዕ ሕጂ ኸምኡ ዝበለ ኣብ ግብጺ ዘይኰነ ኣዝዩ ብርቱዕ በረድ፡ ጽባሕ ከምዛ ግዜ እዚኣ ኸዝንም እየ። 19 ስለዚ፡ ልኢኽካ ማልካን ኣብ መሮር ዘሎካ ዅሉን ናብ መዕቀሊ ኣምጽእ። ኣብ መሮር እተረኽበን ናብ ቤት ዘይኣተወን ሰብ ኰነ እንስሳ ዘበለ ዅሉ፡ በረድ ኪወርድ ከሎ፡ ኪመውት እዩ።”’”
20 እቲ ኻብ ገላዉ ፈርኦን ንቓል የሆዋ ዝፈርሀ ዘበለ፡ ገላዉኡን ማሉን ናብ ኣባይቲ ኣህደመ፣ 21 እቲ ንቓል የሆዋ ናብ ልቡ ዘየእተወ ዘበለ ግና፡ ገላዉኡን ማሉን ኣብ መሮር ሓደገ።
22 የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “ኢድካ ናብ ሰማያት ኣቢልካ ዘርግሕ እሞ፡ ናብ ኵላ ምድሪ ግብጺ፡ ናብ ልዕሊ ሰብን ናብ ልዕሊ እንስሳን ኣብ ምድሪ ግብጺ ናብ ዘሎ ዅሉ ኣትክልትን+ በረድ ኪወርድ እዩ” በሎ።+ 23 ሙሴ ኸኣ በትሩ ናብ ሰማያት ዘርግሐ፣ የሆዋ ድማ ነጐዳን በረድን ሰደደ፣ ሓዊ* ኸኣ ናብ ምድሪ ወረደ፣ የሆዋ ድማ ናብ ምድሪ ግብጺ በረድ ኣዝነመ። 24 በረድ እውን ኰነ፣ ኣብ ማእከል እቲ በረድ ድማ ሓዊ ይዋናጨፍ ነበረ። ኣብ ግብጺ ህዝቢ ኻብ ዚቕመጥ፡ ኣብታ ምድሪ ኸምኡ ዝበለ ዀይኑ ዘይፈልጥ ኣዝዩ ብርቱዕ ነበረ።+ 25 እቲ በረድ ከኣ ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ኣብ መሮር ንእተረኽበ ኻብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ ወቕዐ፣ ንዅሉ ኣትክልቲ ድማ ወቕዐ፡ ንዅሉ ኣእዋም መሮር እውን ሰባበረ።+ 26 ኣብታ እስራኤላውያን ዝነበርዋ ምድሪ ጎሼን ጥራይ በረድ ኣይነበረን።+
27 ፈርኦን ከኣ ልኢኹ ንሙሴን ንኣሮንን ጸዊዑ፡ “ሕጂ ሓጣእኩ። የሆዋ ጻድቕ እዩ፣ ኣነን ህዝበይን ድማ በደልቲ ኢና። 28 ነጐዳን በረድን ኣምላኽ ደው ኪብልሲ፡ ንየሆዋ ለምንዎ። ሽዑ፡ ክሰድደኩም እየ፣ ደጊም ድማ ኣብዚ ኣይትጸንሑን” በሎም። 29 ሙሴ ኸኣ፡ “ካብ ከተማ ምስ ወጻእኩ፡ ኣእዳወይ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽዝርግሕ እየ። ምድሪ ናይ የሆዋ ምዃና ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ነጐዳ ደው ኪብል፡ ደጊም እውን በረድ ኣይኪቕጽልን እዩ።+ 30 ንስኻን ገላዉኻን ግና፡ ሽዑ እውን ንየሆዋ ኣምላኽ ከም ዘይትፈርህዎ እፈልጥ እየ” በሎ።
31 ሽዑ፡ ስገም ሰዊቱ፡ እንጣጢዕ ከኣ ኪዕምብብ ኢሉ ስለ ዝነበረ፡ እንጣጢዕን ስገምን ተወቕዐ። 32 ስርናይን ዓለስን ግና፡ ግዜኡ ድሑር ስለ ዝዀነ፡ ኣይተወቕዐን። 33 ሙሴ ድማ ካብ ፈርኦን ካብታ ኸተማ ወጸ፡ ኢዱ ኸኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘርግሐ፣ ነጐዳን በረድን ድማ ደው በለ፡ ዝናም እውን ናብ ምድሪ ምዝናም ኣቋረጸ።+ 34 ፈርኦን ከኣ ዝናምን በረድን ነጐዳን ደው ከም ዝበለ ምስ ረኣየ፡ መሊሱ ሓጥአ፡ ልቡ እውን ኣትረረ፣+ ንሱን ገላዉኡን ከምኡ ገበሩ። 35 ልቢ ፈርኦን ድማ ተረረ፣ ከምቲ የሆዋ ብሙሴ ዝበሎ ኸኣ፡ ንእስራኤላውያን ኣይሰደዶምን።+