ዘሁልቍ
21 እቲ ኣብ ነጌብ ዚቕመጥ ዝነበረ ንጉስ ዓራድ+ እቲ ከነኣናዊ፡ እስራኤል ብመገዲ ኣታሪም ከም ዝመጸ ምስ ሰምዐ፡ ንእስራኤል ኣጥቂዑ፡ ገለ ኻባታቶም ማሪኹ ወሰደ። 2 እስራኤል ከኣ፡ “ነዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ኢደይ እንተ ሂብካኒ፡ ከተማታቶም ብርግጽ ከጥፍአን እየ” ኢሉ ንየሆዋ ተመባጽዐ። 3 የሆዋ ድማ ቃል እስራኤል ሰሚዑ፡ ንከነኣናውያን ኣብ ኢዶም ሃቦም፣ ንሳቶም ከኣ ንዓታቶምን ንኸተማታቶምን ኣጥፍእዎም። ስለዚ፡ ስም እታ ቦታ እቲኣ ሖርማ* ተባህለ።+
4 እቶም ህዝቢ ኻብ ከረን ሆር+ ንምድሪ ኤዶም ኪዞሩ ኢሎም ብመገዲ ቐይሕ ባሕሪ ኣቢሎም ኪጕዓዙ ኸለዉ፡+ ብመገዲ ዓቕሎም ጸበቦም።* 5 እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ “ኣብ በረኻ ኽንመውት ስለምንታይ ካብ ግብጺ ኣደይብኩምና፧ ኣብዚ እንጌራን ማይን የልቦን፡+ ነዚ ንዑቕ እንጌራ ድማ ጸሊእናዮ ኢና”*+ ኢሎም ኣንጻር ኣምላኽን ሙሴን ተዛረቡ።+ 6 የሆዋ ኸኣ ናብ መንጎ እቲ ህዝቢ መርዛማት* ኣትማን ሰደደ፣ ንሳቶም ድማ ነቲ ህዝቢ ይነኽስዎ ስለ ዝነበሩ፡ ብዙሓት እስራኤላውያን ሞቱ።+
7 እቶም ህዝቢ ኸኣ ናብ ሙሴ መጺኦም፡ “ኣንጻር የሆዋን ኣንጻርካን ብምዝራብና ሓጢእና ኢና።+ ነዞም ኣትማን ኬርሕቐልና፡ ንየሆዋ ለምነልና” በልዎ። ሙሴ ድማ ምእንቲ እቲ ህዝቢ ለመነ።+ 8 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ፡ “ምስሊ መርዛም* ተመን ግበር እሞ፡ ኣብ ዓንዲ ስቐሎ። እተነኽሰ ዘበለ ኸኣ፡ ብህይወት ምእንቲ ኺነብር፡ ናብኡ ይጠምት” በሎ። 9 ብኡብኡ፡ ሙሴ ኻብ ነሓሲ ተመን ገበረ፡+ ኣብ ዓንዲ እውን ሰቐሎ፣+ ተመን ንሰብ ምስ ዚነክስ እሞ፡ ንሱ ድማ ናብቲ ተመን ነሓሲ ምስ ዚጥምት ብህይወት ይነብር ነበረ።+
10 ድሕርዚ፡ እስራኤላውያን ነቒሎም፡ ኣብ ኦቦት ሰፈሩ።+ 11 ካብ ኦቦት ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ዒየ-ዓባሪም፡+ ኣብቲ ኣብ መንጽር ሞኣብ ብሸነኽ ምብራቕ ዘሎ በረኻ ሰፈሩ። 12 ካብኡ ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ስንጭሮ* ዘሬድ ሰፈሩ።+ 13 ካብኡ ነቒሎም ድማ፡ ኣብቲ ኻብ ዶብ ኣሞራውያን ዚዝርጋሕ በረኻ ዘሎ ዞባ ኣርኖን ሰፈሩ፣+ ኣርኖንሲ ኣብ መንጎ ሞኣብን ኣሞራውያንን ዘሎ ዶብ ሞኣብ እዩ። 14 ስለዚ እዩ መጽሓፍ ውግእ የሆዋ ኸምዚ ዚብል፦ “ዋሄብ ኣብ ሱፋን ስንጭሮታት* ኣርኖንን፡ 15 ናብቲ ሰፈር ዓር ዚዝርጋሕን ኣብ ዶብ ሞኣብ ዚጽጋዕን ቍልቍለት* እቲ ስንጭሮታት።”*
16 ካብኡ ኸኣ ናብ ብኤር ከዱ። እቲ የሆዋ ብዛዕባኡ ንሙሴ፡ “ነቲ ህዝቢ ኣክቦ፡ ኣነ እውን ማይ ክህቦም እየ” ዝበሎ ዒላ እዚ እዩ።
17 ሽዑ፡ እስራኤል፡ እዚ መዝሙር እዚ ዘመረ፦
“ኦ ዒላ፡ ፈልፍል!—ተቐበልዎ!*
18 እቲ ብዘንጊ ኣዛዚ፡ ብኣባትሮም
መሳፍንቲ ዝዀዓትዎ፡ ልዑላን ህዝቢ ኸኣ ዝፈሓርዎ ዒላ።”
ካብቲ በረኻ ኸኣ ናብ ማታና፡ 19 ካብ ማታና ድማ ናብ ናሓሊኤል፡ ካብ ናሓሊኤል ከኣ ናብ ባሞት ከዱ።+ 20 ካብ ባሞት ድማ ኣብ ሃገር* ሞኣብ ናብ ዘሎ ስንጭሮ፡+ ናብቲ ናብ የሺሞን*+ ዜማዕዱ ርእሲ ጲስጋ+ ኸዱ።
21 እስራኤል ከኣ ናብ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ከምዚ ኢሉ ልኡኻት ለኣኸ፦+ 22 “ብምድርኻ ኣሕልፈና። ናብ ግራት ወይ ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣይከነላግስን ኢና። ካብ ዒላ ኸኣ ማይ ኣይክንሰትን ኢና። ብሃገርካ ኽሳዕ እንሓልፍ፡ ብመገዲ ንጉስ ክንከይድ ኢና።”+ 23 ሲሆን ግና እስራኤል ብሃገሩ ኺሓልፍ ኣይፈቐደን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ሲሆን ንዅሉ ህዝቡ ኣኪቡ፡ ንእስራኤል ኪጻረሮ ናብ በረኻ ወጸ፣ ናብ ያሃጽ መጺኡ ድማ፡ ምስ እስራኤል ተዋግአ።+ 24 እስራኤል ግና ብሰይፊ ወቕዖ፡+ ካብ ኣርኖን+ ክሳብ ያቦቅ፡+ ክሳብ ጥቓ ዓሞናውያን ዘሎ ምድሩ እውን ተረስተየ፣+ ከመይሲ፡ ያዕዜር+ ኣብ ዶብ ሃገር ዓሞናውያን ነበረ።+
25 እስራኤል ድማ ንዅለን እተን ከተማታት እቲአን ወሰደን፣ ኣብ ኵለን ከተማታት ኣሞራውያን+ ከኣ፡ ኣብ ሔስቦንን ኣብ ኵለን ዓድታታን ተቐመጠ። 26 ከመይሲ፡ ሔስቦን ከተማ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ነበረት፣ ንሱ ድማ ምስ ንጉስ ሞኣብ ተዋጊኡ፡ ኵሉ ምድሩ ኽሳብ ኣርኖን ወሲዱሉ ነበረ። 27 ስለዚ እዩ ኸምዚ ዚብል ናይ ባጫ ምስላ እተመሰለ፦
“ናብ ሔስቦን ንዑ።
ከተማ ሲሆን ትሰራሕን ብጽኑዕ ትሰረትን።
28 ከመይሲ፡ ካብ ሔስቦን ሓዊ፡ ካብ ከተማ ሲሆን ድማ ሃልሃልታ ወጸ።
ንዓር ናይ ሞኣብ፡ ንጐይተት በረኽቲ ኣርኖን በልዐ።
29 ሞኣብ ወይለኻ! ኣታ ህዝቢ ከሞሽ፡ ጠፋእካ!+
ንኣወዳቱ ህዱማት፡ ንኣዋልዱ ምሩኻት ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ይገብሮም።
31 ስለዚ፡ እስራኤል ኣብ ምድሪ ኣሞራውያን ተቐመጠ። 32 ሙሴ ድማ ናብ ያዕዜር+ ዚስልዩ ሰደደ። ንሳቶም ከኣ ዓድታታ ሓዙ፡ ኣብኡ ንዝነበሩ ኣሞራውያን ድማ ሰጐጕዎም። 33 ተመሊሶም ከኣ ብመገዲ ባሳን ደየቡ። ዖግ+ ንጉስ ባሳን ከኣ ምስ ኵሉ ህዝቡ ኣብ ኤድረይ ብውግእ ኪቀባበሎም ወጸ።+ 34 የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “ንዕኡን ንዅሉ ህዝቡን ንምድሩን ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡+ ኣይትፍርሃዮ።+ ከምቲ ነቲ ኣብ ሔስቦን ዚነብር ዝነበረ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ዝገበርካዮ ኸኣ፡ ከምኡ ኽትገብሮ ኢኻ” በሎ።+ 35 ንሳቶም ድማ ንዕኡ ምስ ደቁን ምስ ኵሉ ህዝቡን ሓደ ኻብ ህዝቡ ኽሳዕ ዘይተርፍ ወቕዕዎ፣+ ምድሩ ኸኣ ተረስተዩ።+