መሳፍንቲ
10 ድሕሪ ኣቢሜሌክ ከኣ ቶላዕ ወዲ ጱኣ፡ ወዲ ዶዶ፡ ካብ ይሳኮር፡ ንእስራኤል ኬድሕን ተንስአ።+ ንሱ ድማ ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም፡ ኣብ ሻሚር ይቕመጥ ነበረ። 2 ንእስራኤል ከኣ 23 ዓመት ፈረደ። ድሕሪኡ፡ ሞተ፡ ኣብ ሻሚር ድማ ተቐብረ።
3 ድሕሪኡ፡ ያኢር እቲ ጊልዓዳዊ ተንስአ፣ ንእስራኤል ከኣ 22 ዓመት ፈረደ። 4 ንሱ ድማ ኣብ 30 ኣድጊ ዚውጥሑ 30 ደቂ ነበርዎ፣ እተን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ሓዎት-ያኢር ተባሂለን ዚጽውዓ፡ 30 ኸተማ ኸኣ ነበራኦም፣+ ንሳተን ኣብ ምድሪ ጊልዓድ ኣለዋ። 5 ድሕርዚ፡ ያኢር ሞተ፡ ኣብ ቃሞን ድማ ተቐብረ።
6 እስራኤላውያን ከኣ መሊሶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ገበሩ፣+ ንበዓላትን+ ንምስልታት ኣሽቶረትን ንኣማልኽቲ ኣራምን* ንኣማልኽቲ ሲዶንን ንኣማልኽቲ ሞኣብን+ ንኣማልኽቲ ዓሞናውያንን+ ንኣማልኽቲ ፍልስጥኤማውያንን+ ድማ ኣገልገሉ። ንየሆዋ ኸኣ ሓደግዎ እምበር፡ ኣየገልገልዎን። 7 ሽዑ፡ ቍጥዓ የሆዋ ኣብ እስራኤል ነደደ፣ ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን ዓሞናውያንን ድማ ሸጦም።+ 8 ንሳቶም ከኣ በታ ዓመት እቲኣ ጨፍለቕዎምን ኣበርቲዖም ጨቈንዎምን፡—ንዅሎም እቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ፡ ኣብታ ምድሪ ኣሞራውያን ዝነበረት ጊልዓድ ዚነብሩ እስራኤላውያን 18 ዓመት ጨቈንዎም። 9 እቶም ዓሞናውያን ድማ ምስ ይሁዳን ምስ ብንያምን ምስ ቤት ኤፍሬምን ኪዋግኡ ዮርዳኖስ ተሳገሩ፣ እስራኤል ከኣ ኣመና ጨነቖ። 10 ሽዑ፡ እስራኤላውያን፡ “ንኣምላኽና ሓዲግና ንበዓላት ኣገልጊልና ኢና እሞ፡ በዲልናካ ኢና”+ ኢሎም ናብ የሆዋ ተማህለሉ።+
11 የሆዋ ድማ ንእስራኤላውያን ከምዚ በሎም፦ “ግብጻውያንን+ ኣሞራውያንን+ ዓሞናውያንን ፍልስጥኤማውያንን+ 12 ሲዶናውያንን ኣማሌቅን ሚድያንን ምስ ጨቈኑኹም፡ ኣነ ደይኰንኩን ዘድሓንኩኹም፧ ናባይ ምስ ተማህለልኩም ከኣ፡ ካብ ኢዶም ኣድሒነኩም እየ። 13 ንስኻትኩም ግና ንዓይ ሓዲግኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣገልጊልኩም።+ ስለዚ፡ ደጊም ኣይከድሕነኩምን እየ።+ 14 ናብቶም ዝሓረኹምዎም ኣማልኽቲ ኼድኩም ተማህለሉ።+ ብግዜ ጭንቅኹም ንሳቶም የድሕኑኹም።”+ 15 እስራኤላውያን ግና ንየሆዋ፡ “በዲልና ኢና። ኣብ ኣዒንትኻ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእየካ ዘበለ ግበረና። ሓንትስ፡ በጃኻ በዛ መዓልቲ እዚኣ ኣድሕነና” በልዎ። 16 ነቶም ጓኖት ኣማልኽቲ ኻብ ማእከሎም ኣርሒቖም ከኣ ንየሆዋ ኣገልገልዎ፣+ ስለዚ፡ ንሱ ንመከራ እስራኤል ኪጻወሮ ኣይከኣለን።*+
17 ዓሞናውያን+ ድማ ተኣኪቦም ኣብ ጊልዓድ ሰፈሩ። እስራኤላውያን እውን ተኣኪቦም ኣብ ሚጽጳ ሰፈሩ። 18 እቶም ህዝብን እቶም መሳፍንቲ ጊልዓድን ከኣ ንሓድሕዶም፡ “ምስ ዓሞናውያን ንምውጋእ መን ኪመርሓና እዩ፧+ ንሱ ሓለቓ ዅሎም ነበርቲ ጊልዓድ ይኹን” ተባሃሃሉ።