ዘሁልቍ
24 በላዓም ድማ ንእስራኤል ምምራቕ፡ ንየሆዋ ባህ ከም ዜብሎ* ምስ ረኣየ፡ ገጹ ናብ በረኻ መለሰ እምበር፡ ከም ብሓድሽ ናይ ጥፍኣት ፋል ኪደሊ ኣይከደን።+ 2 በላዓም ኣዒንቱ ኣልዒሉ፡ እስራኤል በብነገዱ ሰፊሩ ምስ ረኣየ፡+ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኡ መጸ።+ 3 እዚ ምስላ እዚ ድማ መሰለ፦+
“በላዓም ወዲ ቤዖር ከምዚ ይብል፡
እቲ ኣዒንቱ እተኸፍታሉ ሰብኣይ ከምዚ ይብል፡
4 እቲ ቓል ኣምላኽ ዚሰምዕ፡
ራእይ እቲ ዅሉ ዚኽእል ዝረኣየ፡
ኣዒንቱ ተቐሊዐናሉ ዚሰግድ ከምዚ ይብል፦+
5 ኣታ ያእቆብ፡ ድንኳናትካ፡
ኣታ እስራኤል ድማ መሓድርካ ኽንደይ ይጽብቕ!+
7 ካብ ክልተ መገለሊኡ ማይ ይጅርብብ፡
ዘርኡ ድማ ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማያት ይዝራእ።+
8 ኣምላኽ ካብ ግብጺ ኣውጽኦ፣
ከም ኣቕርንቲ ጐባይ ይዀነሎም።
ንኣህዛብ፡ ንጨቈንቱ ኺበልዖም እዩ፡+
ኣዕጽምቶም ኪቝርጥም፡ ብፍላጻታቱ ኺሰባብሮም እዩ።
9 ከም ኣንበሳ ተዀርምዩን በጥ ኢሉን ኣሎ፣
ከም ኣንበሳኸ፡ መን ደፊሩ የተንስኦ፧
ዚምርቑኻ ምሩቓት፡
ዚረግሙኻ ኸኣ ርጉማት እዮም።”+
10 ባላቅ ከኣ ብበላዓም ነደረ። ባላቅ ድማ ብባጫ ብኣእዳዉ ኣጣቕዐ እሞ፡ ንበላዓም ከምዚ በሎ፦ “ኣነ ንጸላእተይ ክትረግሞም ጸዋዕኩኻ፣+ ንስኻ ግና ሰለስተ ሳዕ ካብ ምምራቕ ሓሊፍካ ሓንቲ ኣይገበርካን። 11 ሕጂ ቐልጢፍካ ናብ ቦታኻ ኺድ። ኣነ ኣዝየ ከኽብረካ ኢለ ነይረ፣+ እንሆ ግና፡ የሆዋ ኸይትኸብር ከሊኡካ።”
12 በላዓም ከኣ ንባላቅ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ “ነቶም ዝለኣኽካዮም ልኡኻት፡ 13 ‘ባላቅ፡ ቤቱ ብሩርን ወርቅን መሊኡ እኳ እንተ ዚህበኒ፡ ካብ ትእዛዝ የሆዋ ሓሊፈ ጽቡቕ ኰነ ወይ ክፉእ ካብ ፍቓደይ* ኽገብር ኣይክእልን እየ። እቲ የሆዋ ዚብለኒ ጥራይ እየ ዝዛረብ’ ኢለዶ ኣይተዛረብክዎምን፧+ 14 ሕጂ ኸኣ ናብ ህዝበይ እኸይድ ኣለኹ። እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ መጻኢ* ንህዝብኻ ዚገብሮ ንዓ ኽነግረካ።” 15 እዚ ምስላ እዚ ድማ መሰለ፦+
“በላዓም ወዲ ቤዖር ከምዚ ይብል፡
እቲ ኣዒንቱ እተኸፍታሉ ሰብኣይ ከምዚ ይብል፡+
16 እቲ ቓል ኣምላኽ ዚሰምዕ፡
ፍልጠት እቲ ልዑል ድማ ዚፈልጥ፡
ራእይ እቲ ዅሉ ዚኽእል ዝረኣየ፡
ኣዒንቱ ተቐሊዐናሉ ዚሰግድ ከምዚ ይብል፦
17 እርእዮ ኣለኹ፡ ሕጂ ግና ኣይኰነን፣
እጥምቶ ኣለኹ፡ ቀረባ ግና ኣይኰነን።
19 ካብ ያእቆብ ዝወጸ ድማ ኪገዝእ፡+
ካብታ ኸተማ ንዝተረፈ ኸኣ ኬጥፍእ እዩ።”
20 ንኣማሌቅ ምስ ረኣዮ፡ ከምዚ ኢሉ ምስላኡ መሰለ፦
21 ንቄናውያን+ ምስ ረኣዮም፡ ከምዚ ኢሉ ምስላኡ መሰለ፦
“እትቕመጠሉ ጽኑዕ፡ መንበሪኻ ኸኣ ኣብ ከውሒ እተነብረ እዩ።
22 ቃዪን ግና ኪነድድ እዩ።
ኣሶር ክሳዕ ዚማርኸካኸ ኽንደይ ኰን ይኸውን፧”
23 ከምዚ ኢሉ ድማ ምስላኡ መሰለ፦
“ወዮ! ኣምላኽ ነዚ ኺገብር ከሎስ፡ መን ብህይወት ኪተርፍ እዩ፧
ንሱ እውን ፈጺሙ ኺጠፍእ እዩ።”
25 በላዓም+ ድማ ተንሲኡ ኸደ፡ ናብ ቦታኡ ኸኣ ተመልሰ። ባላቅ እውን መገዱ ኸደ።