ራእይ
10 ካልእ ብርቱዕ መልኣኽ ከኣ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ረኣኹ፣ ንሱ ደበና ተወንዚፉ ነበረ፣ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸኣ ቀስተ ደበና ነበሮ፣ ገጹ ድማ ከም ጸሓይ ነበረ፣+ ኣእጋሩ እውን ከም ኣዕኑድ ሓዊ ነበራ፣ 2 ኣብ ኢዱ ኸኣ ሓንቲ እተቐልዐት ንእሽቶ መጽሓፍ ነበረት። የማነይቲ እግሩ ኣብ ባሕሪ፡ ጸጋመይቲ እግሩ ድማ ኣብ ምድሪ ኣንበረ፣ 3 ከም ዚጓዝም ኣንበሳ ኸኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨደረ።+ ምስ ጨደረ ድማ፡ ድምጺ እቶም ሸውዓተ ነጐዳታት+ ተዛረበ።
4 እቶም ሸውዓተ ነጐዳታት ምስ ተዛረቡ፡ ኣነ ኽጽሕፍ ኢለ ነበርኩ፣ ካብ ሰማይ ግና፡ “ነቲ እቶም ሸውዓተ ነጐዳታት እተዛረብዎ ሕተሞ እምበር፡ ኣይትጽሓፎ” ዚብል ድምጺ ሰማዕኩ።+ 5 እቲ ኣብ ባሕርን ኣብ ምድርን ደው ኢሉ ዝረኣኽዎ መልኣኽ ድማ፡ ንየማነይቲ ኢዱ ናብ ሰማይ ዘርግሓ፡ 6 በቲ ሰማይን ኣብኡ ዘሎን ምድርን ኣብኣ ዘሎን ባሕርን ኣብኡ ዘሎን ዝፈጠረ+ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር እውን ከምዚ ኢሉ መሓለ፦+ “ደጊም ኣይኪድንጕን እዩ። 7 ግናኸ፡ ብመዓልትታት እቲ ሻውዓይ መልኣኽ+ መለኸቱ ዚነፍሓሉ እዋን ኣቢሉ፡+ እቲ ኣምላኽ ንባሮቱ ነብያት+ ከም ብስራት ዘበሰሮም ቅዱስ ምስጢር+ ኪፍጸም እዩ።”
8 እቲ ኻብ ሰማይ ዝሰማዕክዎ ድምጺ ኸኣ፡+ “ኪድ እሞ ነታ ኣብ ኢድ እቲ ኣብ ባሕርን ኣብ ምድርን ደው ኢሉ ዘሎ መልኣኽ ዘላ እተቐልዐት መጽሓፍ ውሰዳ” ኢሉ ኸም ብሓድሽ ተዛረበኒ።+ 9 ናብቲ መልኣኽ ከይደ ድማ፡ “ነታ ንእሽቶ መጽሓፍ ሃበኒ” በልክዎ። ንሱ ኸኣ፡ “ውሰዳ እሞ ብልዓያ፣+ ንኸብድኻ መሪር ክትገብሮ እያ፣ ኣብ ኣፍካ ግና ከም መዓር ጥዕምቲ ኽትከውን እያ” በለኒ። 10 ነታ ንእሽቶ መጽሓፍ ከኣ ካብ ኢድ እቲ መልኣኽ ወሲደ በላዕክዋ፣+ ኣብ ኣፈይ ከም መዓር ጠዓመትኒ፣+ ምስ በላዕክዋ ግና፡ ከብደይ መረረ። 11 “ከም ብሓድሽ ብዛዕባ ህዝብታትን ኣህዛብን ቋንቋታትን ብዙሓት ነገስታትን ክትንበ ኣሎካ” ድማ በሉኒ።