ቈሎሴ
2 ምእንታኹምን ምእንቲ እቶም ኣብ ሎዲቅያ+ ዘለዉን ምእንቲ እቶም ብኣካል ዘይረኣዩንን፡* ከመይ ዝበለ ዓብዪ ገድሊ ኸም ዘሎኒ ኽትፈልጡ ኸኣ እደሊ ኣለኹ። 2 እዚ ድማ ልቦም ተጸናኒዑ+ ብፍቕሪ ኺሰምሩ እሞ፡+ ካብቲ ምሉእ ብምሉእ እተረጋገጸ ምስትውዓል ዚርከብ ኵሉ ሃብቲ ምእንቲ ኺህልዎም፡ ልክዕ ፍልጠት እቲ ቕዱስ ምስጢር ኣምላኽ ዝዀነ ክርስቶስ እውን ምእንቲ ኺረኽቡ ኢለ እየ።+ 3 ኣብኡ ኸኣ ብዘሎ መዛግብቲ ጥበብን ፍልጠትን ተሰዊሩ ኣሎ።+ 4 ሓደ እኳ ብዚሓብል ዘረባ ኸየታልለኩም ኢለ እየ እዚ ዝብል ዘለኹ። 5 ብኣካል እኳ ምሳኻትኩም እንተ ዘየለኹ፡ ብመንፈስ ግና ምሳኻትኩም እየ፣ ስርዓትኩምን+ ጽንዓት እታ ብክርስቶስ ዘላትኩም እምነትን እናረኣኹ እውን እሕጐስ ኣለኹ።+
6 እምበኣር፡ ከምቲ ንጐይታና ክርስቶስ የሱስ እተቐበልኩምዎ፡ ምስኡ ብሓድነት ተመላለሱ፣ 7 ከምቲ እተመሃርኩምዎ፡ ኣብኡ ሱር ስደዱን ተሃነጹን+ ብእምነት ጽንዑን፡+ ብምስጋና እውን ዕዙዛት ኩኑ።+
8 ኣብ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ በቲ ኣብ ስርዓት ሰብን ኣብ መባእታዊ ነገራት ዓለምን እተመስረተ ፍልስፍናን ከንቱ ጥበራን+ ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡* ተጠንቀቑ። 9 ከመይሲ፡ ኵሉ ምልኣት መለኮታዊ ባህርይ ብጭቡጥ ኣብ ክርስቶስ እዩ ዚሓድር።+ 10 ንስኻትኩም እውን ብእኡ፡ በቲ ርእሲ ዅሉ መንግስትን ስልጣንን፡ ምልኣት ረኺብኩም ኣለኹም።+ 11 በቲ ምስኡ ዘሎኩም ርክብ ከኣ በታ ብዘይ ኢድ፡ ስጋዊ ሰብነት ብምቕንጣጥ እትግበር ግዝረት፡+ በታ ናይ ክርስቶስ ግዝረት ተገዚርኩም ኢኹም።+ 12 ብጥምቀቱ ምስኡ ተቐቢርኩም ኢኹም፣+ በቲ ምስኡ ዘሎኩም ርክብ እውን በታ ኣብቲ ሓያል ግብሪ እቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ+ ዘላትኩም እምነት ብሓባር ተንሲእኩም ኢኹም።+
13 ብኣበሳኹምን ብዘይ ግዝረት ስጋኹምን ምዉታት እኳ እንተ ነበርኩም፡ ኣምላኽ ምስኡ ህያዋን ገይሩኩም እዩ።+ ንሱ ንዅሉ ኣበሳና ብለውሃት ይቕረ ኢሉልና እዩ፣+ 14 ነቲ ትእዛዛት ዝሓዘን+ ዚቃወመናን+ ብኢድ እተጻሕፈ ሰነድ+ ከኣ ደምሲስዎ እዩ። ንዕኡ ኣብ ጕንዲ ስቅያት* ሸንኪሩ ድማ ኣርሒቕዎ እዩ።+ 15 ንመንግስትታትን ንስልጣናትን ቀንጢጡ፡ ኣብ ዓጀባ ዓወት ብእኡ* እናመርሖም፡ ብግህዶ ኸም እተሳዕሩ ኣርእዩ እዩ።+
16 እምበኣር፡ ብብልዕን ብመስተን፡+ ወይ ብምብዓል በዓላት፡ ወይ ብሰርቂ ወርሒ፡+ ወይ ብሰንበት+ ዝመጸ፡ ሓደ እኳ ኣይፍረድኩም። 17 እዝስ ነቲ ዚመጽእ ጽላሎቱ እዩ፣+ እቲ ናይ ሓቂ ግና ክርስቶስ እዩ።+ 18 ናይ ሓሶት ትሕትናን ኣምልኾ መላእኽትን ዚፈቱ ሓደ እኳ ኣብቲ ዝረኣዮ ነገር “መርገጹ ብምግባር”* ሽልማትኩም+ ኣይከልክልኩም። ንሱ ብስጋዊ ኣተሓሳስባኡ ብኸንቱ ይንፋሕ እዩ፣ 19 ኣብቲ ርእሲ እውን ኣይጸንዕን እዩ።+ በቲ ርእሲ እቲ፡ ብዘሎ እቲ ሰብነት ይምገብ፡ ብመላግቦን ጅማትን ከኣ ይገጣጠም እዩ፣ ካብ ኣምላኽ ብእተዋህበ ዕቤት እውን ይዓቢ እዩ።+
20 ንመባእታዊ ነገራት ዓለም ብዚምልከት ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትኩም፡+ ስለምንታይ ደኣ ገና ኻብዛ ዓለም እዚኣ ኸም ዝዀንኩም ኴንኩም እናነበርኩም፡ 21 “ኣይትሓዝ፡ ኣይትጥዓም፡ ኣይትተንኪ” ዚብል ትእዛዛት እትግዝኡ፧+ 22 እዚ ኸም ናይ ሰብ ዝበለ ትእዛዛትን ትምህርትታትን እዚ፡ ምስ ተገብረ፡ ኵሉ ይጠፍእ እዩ።+ 23 እዚ ብፍቓድ ርእስኻ ዚግበር ኣምልኾን ናይ ሓሶት ትሕትናን ምሕሳም ሰብነትን+ መልክዕ ጥበብ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ትምኒት ስጋ ንምቅላስ ግና ኣይጠቅምን እዩ።