96 ንየሆዋ ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ።+
ኵልኹም ህዝቢ ምድሪ፡ ንየሆዋ ዘምሩሉ!+
2 ንየሆዋ ዘምሩሉ፣ ስሙ ወድሱ።
ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ድሕነቱ ኣበስሩ።+
3 ክብሩ ኣብ መንጎ ኣህዛብ፡
ዜደንቕ ግብርታቱ ኣብ መንጎ ዅሎም ህዝብታት ንገሩ።+
4 የሆዋ ዓብይን ብዙሕ ውዳሰ ዚግብኦን እዩ።
ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ዜፍርህ እዩ።
5 ኵሎም ኣማልኽቲ ህዝብታት ከንቱ ኣማልኽቲ እዮም፣+
የሆዋ ግና እቲ ንሰማያት ዝገበረ እዩ።+
6 ክብርን ግርማን ኣብ ቅድሚኡ፡+
ብርታዐን ጽባቐን ኣብ መቕደሱ እዩ።+
7 ኣቱም ዓሌታት ህዝብታት፡ ንየሆዋ ዚግብኦ ሃብዎ፣
ስለቲ ኽብሩን ብርታዐኡን ንየሆዋ ዚግብኦ ሃብዎ።+
8 ንየሆዋ እቲ ንስሙ ዚግብኦ ኽብሪ ሃብዎ፣+
መባእ ሒዝኩም ናብ ኣጸዳቱ ምጹ።
9 ንየሆዋ ብቕዱስ ስሉም ኣልባሳት ስገዱሉ፣
ኵልኹም ህዝቢ ምድሪ፡ ኣብ ቅድሚኡ ራዕራዕ በሉ!
10 ኣብ መንጎ ኣህዛብ፡ “የሆዋ ነጊሱ!+
ምድሪ ጸኒዓ እያ፡ ኣይትነቓነቕን እያ።
ንህዝብታት ብቕንዕና ኺፈርዶም እዩ” በሉ።+
11 ሰማያት ይተሓጐሱ፡ ምድሪ እውን ባህ ይበላ፣
ባሕርን ኵሉ እቲ ዝመልኦን የንጐድጕድ፣+
12 መሮርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ይተሓጐስ።+
ሽዑ፡ ኵሉ ኣእዋም ዱር እልል ይበል።+
13 ንሱ ይመጽእ ኣሎ፡ ንምድሪ ኺፈርዳ ይመጽእ ኣሎ እሞ፡
ኣብ ቅድሚ የሆዋ እልል ይበል።
ንዓለም ብጽድቂ፡+
ንህዝብታት ከኣ ብተኣማንነቱ ኺፈርድ እዩ።+