ህዝቅኤል
2 ንሱ ኸኣ፡ “ኣታ ወዲ ሰብ፡* ክዛረበካስ ብኣእጋርካ ደው በል” በለኒ።+ 2 ምስ ተዛረበኒ ድማ፡ መንፈስ መጸኒ፣ ነቲ ዚዛረበኒ ምእንቲ ኽሰምዖ እውን ብኣእጋረይ ደው ኣበለኒ።+
3 ከምዚ ኸኣ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ናብ ህዝቢ እስራኤል፡ ናብቶም ካባይ ዝዓለዉ ዓለውቲ ኣህዛብ+ እልእከካ ኣለኹ።+ ንሳቶምን ኣቦታቶምን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ቅድመይ ኣቢሶም እዮም።+ 4 ናብ ተዳፈርትን* ተሪር ዝልቦምን ደቂ እልእከካ ኣለኹ፣+ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል’ ድማ በሎም። 5 ንሳቶም ከኣ ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፡+ እንተ ሰሚዖም ወይስ ምስማዕ እንተ ኣብዮም፡ ነብዪ ኣብ መንጎኦም ከም ዝነበረ ብርግጽ ኪፈልጡ እዮም።+
6 “ንስኻ ግና ኣታ ወዲ ሰብ፡ ብዳንዴርን ብእሾዅን እተኸበብካን*+ ኣብ መንጎ ዕንቅርቢታት እትቕመጥን እኳ እንተ ዀንካ፡ ንዓታቶም ኣይትፍርሃዮም፣+ ንቓላቶም እውን ኣይትፍርሃዮ። ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፡ ንቓላቶም ኣይትፍርሃዮ፡+ ብገጾም እውን ኣይትሸበር።+ 7 ዓለውቲ እዮም እሞ፡ እንተ ሰሚዖም ወይ እንተ ኣብዮም፡ ቃላተይ ንገሮም።+
8 “ንስኻ ግና ኣታ ወዲ ሰብ፡ ዝብለካ ዘለኹ ስማዕ። ከምዛ ዓላዊት ቤት፡ ዓላዊ ኣይትኹን። ኣፍካ ኽፈት እሞ ነዚ ዝህበካ ዘለኹ ብልዓዮ።”+
9 ምስ ጠመትኩ፡ ኢድ ናባይ ተዘርጊሓ ረኣኹ፣+ ኣብኣ ድማ ጥቕልልቲ ጽሕፍቲ* ረኣኹ።+ 10 ኣብ ቅድመይ ምስ ዘርግሓ ኸኣ፡ ብቕድሚኣን ብድሕሪኣን ጽሑፍ ነበራ።+ ልቕሶን ሓዘንን ዋይዋይታን ተጻሒፍዋ ነበረ።+