ዘጸኣት
32 እቶም ህዝቢ ኸኣ ሙሴ ኻብቲ ኸረን ከይወረደ ነዊሕ ከም ዝገበረ ረኣዩ።+ እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ኣሮን ተኣከቡ እሞ፡ “እዚ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣና ሙሴ ዚብሃል ሰብኣይ እንታይ ከም ዝዀነ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ፡ ተንስእ፡ ቀቅድሜና ዚኸይድ ኣምላኽ ግበረልና” በልዎ።+ 2 ኣሮን ድማ፡ “እቲ ኣብ ኣእዛን ኣንስትኹምን ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ዘሎ ቐላብቲ ወርቂ+ ቐንጢጥኩም ኣምጽኡለይ” በሎም። 3 ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ ኣብ ኣእዛኖም ዝነበረ ቐላብቲ ወርቂ ቐንጢጦም ናብ ኣሮን ኣምጽእዎ። 4 ንሱ ድማ ነቲ ወርቂ ኻባታቶም ወሲዱ፡ ብመቕረጺ ገይሩ ቐሪጹ፡ ምስሊ* ምራኽ+ ገበሮ። ንሳቶም ከኣ፡ “ኦ እስራኤል፡ እቲ ኻብ ግብጺ ዘውጽኣካ ኣምላኽካ እዚ እዩ” በሉ።+
5 ኣሮን እዚ ምስ ረኣየ፡ ኣብ ቅድሚኡ መሰውኢ ሰርሐ። ኣሮን ድማ፡ “ጽባሕ፡ ንየሆዋ በዓል እዩ” ኢሉ ኣወጀ። 6 ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ተንሲኦም፡ ዚሓርር መስዋእቲ ሰውኡ፡ መስዋእቲ ሕብረት እውን ኣቕረቡ። ድሕርዚ፡ እቶም ህዝቢ ኺበልዑን ኪሰትዩን ተቐመጡ፡ ኪጻወቱ እውን ተንስኡ።+
7 ሽዑ፡ የሆዋ ንሙሴ፡ “እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእካዮ ህዝብኻ ተበላሽዩ ኣሎ እሞ፡+ ኪድ ውረድ። 8 ካብቲ ዝኣዘዝክዎም መገዲ ቐልጢፎም ኣልጊሶም እዮም።+ ንርእሶም ምስሊ* ምራኽ ገይሮም፡ ይሰግዱሉን ይስውኡሉን፡ ‘ኦ እስራኤል፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣካ ኣምላኽካ እዚ እዩ’ ይብሉን ኣለዉ” በሎ። 9 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ፡ “እዚ ህዝቢ እዚ ተሪር* ምዃኑ እርእዮ ኣለኹ።+ 10 ሕጂ ብዚነድድ ቍጥዓይ ከጽንቶም፡ ንዓኻ ድማ ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካ ሕደገኒ” በሎ።+
11 ሽዑ፡ ሙሴ ናብ የሆዋ ኣምላኹ ኸምዚ ኢሉ ተማህለለ፦+ “ኦ የሆዋ፡ ስለምንታይ ቍጥዓኻ ኣብዚ ብዓብዪ ሓይልን ብብርትዕቲ ኢድን ዘውጻእካዮ ህዝብኻ ዚነድድ፧+ 12 ስለምንታይከ ግብጻውያን፡ ‘ኣብ ኣኽራን ኪቐትሎምን ካብ ገጽ ምድሪ ኼጽንቶምን ኢሉ ኽፉእ ሓሲቡ ኣውጺእዎም’ ኢሎም ዚዛረቡ፧+ ካብቲ ዚነድድ ቍጥዓኻ ደኣ ተመለስ፣ ነቲ ኣብ ህዝብኻ እዚ መዓት እዚ ንምምጻእ ዝገበርካዮ ውሳነ እውን ዳግም ሕሰበሉ።* 13 ነቶም፡ ‘ንዘርእኹም ከም ከዋኽብቲ ሰማያት ከብዝሖ እየ፣+ ኵላ እዛ እተዛረብኩላ ምድሪ ንሓዋሩ ምእንቲ ኺርስተይዋ ንዘርእኹም ክህቦም እየ’ ኢልካ ብርእስኻ ዝመሓልካሎም ገላዉኻ ኣብርሃምን ይስሃቅን እስራኤልን ዘክር።”+
14 የሆዋ ድማ ነቲ ንህዝቡ ኺገብሮ ኢሉ ተዛሪብዎ ዝነበረ መዓት ዳግም ሓሰበሉ።*+
15 ሙሴ ኸኣ ተመሊሱ፡ ነተን ክልተ ጽላት ምስክር+ ኣብ ኢዱ+ ሒዙ ኻብቲ ኸረን ወረደ። እተን ጽላት ብኽልቲኡ ገጸን ተቐሪጹ እተጻሕፈን፡ ማለት ብቕድሚትን ብድሕሪትን እተጻሕፈን ነበራ። 16 እተን ጽላት ድማ ስራሕ ኣምላኽ ነበራ፣ ኣብተን ጽላት እተቐርጸ ጽሕፈት ከኣ፡ ጽሕፈት ኣምላኽ ነበረ።+ 17 እያሱ ድማ ዋዕዋዕ ይብሉ ስለ ዝነበሩ፡ ጫውጫውታ እቲ ህዝቢ ሰምዐ፣ ንሙሴ ኸኣ፡ “ኣብ ሰፈር ደሃይ ውግእ ኣሎ” በሎ። 18 ሙሴ ግና፡
19 ሙሴ ናብ ሰፈር ምስ ቀረበ እሞ፡ ነቲ ምራኽን+ ነቲ ሳዕስዒትን ምስ ረኣየ፡ ቍጥዓኡ ነደደ፣ ነተን ጽላት ካብ ኢዱ ደርብዩ ኸኣ፡ ኣብ እግሪ እቲ ኸረን ሰበረን።+ 20 ነቲ ዝገበርዎ ምራኽ ወሲዱ ድማ ብሓዊ ኣንደዶ፡ ኣድኪሙ ኸኣ ጠሓኖ፣+ ኣብ ማይ ነስኒሱ ድማ ንእስራኤላውያን ኣስተዮም።+ 21 ሙሴ ኸኣ ንኣሮን፡ “እዚ ዓብዪ ሓጢኣት እዚ ዘምጻእካሉስ፡ እዚ ህዝቢ እዚ እንታይ ገይሩካ እዩ፧” በሎ። 22 ኣሮን ድማ፡ “ጐይታይ፡ ቍጥዓኻ ኣይንደድ። እዚ ህዝቢ እዚ ናብ ክፉእ ዝዘንበለ ምዃኑ ንስኻ ኣጸቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ።+ 23 ‘እዚ ኻብ ግብጺ ዘውጽኣና ሙሴ ዚብሃል ሰብኣይ እንታይ ከም ዝዀነ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ፡ ቀቅድሜና ዚኸይድ ኣምላኽ ግበረልና’ ኢሎምኒ።+ 24 ኣነ ኸኣ፡ ‘ወርቂ ዘለዎ፡ ቀንጢጡ ይሃበኒ’ ኢለዮም። ሽዑ፡ ናብ ሓዊ ደርብየዮ፡ እዚ ምራኽ እዚ ድማ ወጺኡ” ኢሉ መለሰ።
25 ኣሮን ነቶም ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ተጻረርቶም ክሳዕ ዚዋረዱ ስዲ ሓዲግዎም ነበረ እሞ፡ ሙሴ ስዲ ተፈንዮም ረኣዮም። 26 ሽዑ፡ ሙሴ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ሰፈር ደው ኢሉ፡ “ኣብ ጐድኒ የሆዋ ዝዀነ መን ኣሎ፧ ናባይ ይምጻእ!” በለ።+ ኵሎም ሌዋውያን ከኣ ናብኡ ተኣከቡ። 27 ንሱ ድማ፡ “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፦ ‘ነፍሲ ወከፍ ሰሰይፉ ይተዓጠቕ እሞ፡ ኣብ ኵሉ እዚ ሰፈር ካብ ኣፍ ደገ ናብ ኣፍ ደገ እናሓለፈ ንሓዉን ንብጻዩን ንናይ ቀረባ ዓርኩን ይቕተል’” በለ።+ 28 ሌዋውያን ድማ ከምቲ ሙሴ ዝበሎ ገበሩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ፡ ኣስታት 3,000 ሰባት ተቐትሉ። 29 ሙሴ ድማ፡ “ነፍሲ ወከፍ ኣንጻር ወዱን ኣንጻር ሓዉን ኰይኑ እዩ እሞ፡+ ሎሚ ርእስኹም ንየሆዋ ፍለዩ፣* ሎሚ ንሱ በረኸት ኪህበኩም እዩ” በለ።+
30 ንጽብሒቱ፡ ሙሴ ነቶም ህዝቢ፡ “ዓብዪ ሓጢኣት ጌርኩም ኢኹም። ሕጂ ኸኣ፡ ሓጢኣትኩም ከተዓርቕ ዝኽእል እንተ ዀይነ ኽርኢ፡ ናብ የሆዋ ኽድይብ እየ” በሎም።+ 31 ሙሴ ድማ ናብ የሆዋ ተመሊሱ፡ “እዞም ህዝቢ እዚኦም ከመይ ዝበለ ዓብዪ ሓጢኣት ኰን እዮም ገይሮም! ንዓታቶም ኣምላኽ ወርቂ ገይሮም!+ 32 ሕጂ ድማ ፍቓድካ እንተ ዀይኑ፡ ሓጢኣቶም ሕደገሎም፣+ እንተ ዘይኰነ፡ ካብቲ ዝጸሓፍካዮ መጽሓፍካ በጃኻ ደምስሰኒ” በሎ።+ 33 የሆዋ ግና ንሙሴ፡ “ነቲ ዝበደለኒ ደኣ ኻብ መጽሓፈይ እድምስሶ። 34 ሕጂ ኸኣ ኪድ እሞ፡ ነቲ ህዝቢ ናብቲ ዝበልኩኻ ምርሓዮ። እንሆ፡ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ ኪኸይድ እዩ፣+ በታ ዝጸባጸበላ መዓልቲ፡ ብሓጢኣቶም ክቐጽዖም እየ” በሎ። 35 ሽዑ፡ ነቲ ኣሮን ዝገበሮ ምራኽ ስለ ዝገበሩ፡ የሆዋ ነቶም ህዝቢ ወቕዖም።