መዝሙር
ንኣላዪ። ናይ ደቂ ቆራሕ።+ ብቕዲ ዓለሞት።* መዝሙር።
2 ስለዚ፡ ምድሪ እኳ እንተ ተለወጠት፡
ኣኽራን እኳ ናብ መዓሙቝ ባሕሪ እንተ ተገልበጡ፡+
3 ማያቱ እኳ እንተ ተናወጸን እንተ ዓፈረን፡+
ኣኽራን እኳ ብሰንኪ ነውጹ እንተ ኣንቀጥቀጡ፡ ኣይንፈርህን ኢና። (ሴላ)
5 ኣምላኽ ኣብታ ኸተማ ኣሎ፣+ ኣይክትግልበጥን እያ።
ኪወግሕ ከሎ፡ ኣምላኽ ኪረድኣ እዩ።+
6 ኣህዛብ ረቢሾም፡ መንግስትታት ተገልቢጠን፣
ድምጹ ዓው ምስ ኣበለ ኸኣ፡ ምድሪ መኺኻ፣+
7 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ፣+
ኣምላኽ ያእቆብ እምባና* እዩ። (ሴላ)
8 ንዑ፡ ተግባራት የሆዋ፡
ኣብ ምድሪ ዝገበሮ መስተንክር ነገራት ርኣዩ።
9 ንውግእ ኣብ ብዘላ ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ።+
ንቐስቲ ይሰብሮ፡ ንዂናት ድማ ይቐራስሞ፣
ንሰረገላታት* ብሓዊ የንድዶ።
10 “ስዩም በሉ፡ ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ከኣ ፍለጡ።