ኢሳይያስ
44 “ሕጂ ኸኣ፡ ኣታ ያእቆብ ጊልያይ፡
ኣታ እስራኤል ሕሩየይ፡ ስማዕ።+
ኣብ ዘርእኻስ መንፈሰይ፡+
ኣብ ውሉዳትካ ድማ በረኸት ከፍስስ እየ።
4 ንሳቶም ከኣ ከም ሳዕሪ፡
ኣብ ጥቓ ወሓይዝ ማይ ከም ዘሎ ኣእዋም ዓራባ ኺበቝሉ እዮም።+
ስም እስራኤል እውን ኪቕበል እዩ።’
‘ኣነ ቐዳማይን ዳሕራይን እየ።+
ብዘይካይ ኣምላኽ የልቦን።+
7 ከማይ ዝበለ መን እዩ፧+
ይጸውዕን ይንገርን የርእየንን!+
ናይ ጥንቲ ህዝቢ ኻብ ዝመስረትኩሉ ግዜ ኣትሒዘ፡
ነቲ ዚመጽእን
ገና ዚኸውንን ነገር ይንገሩ።
ንነፍሲ ወከፍካ ኣቐዲመዶ ኣየስማዕኩኻን ወይ ኣይነገርኩኻን፧
ንስኻትኩም መሰኻኽረይ ኢኹም።+
ብዘይካይዶ ኣምላኽ ኣሎ እዩ፧
ካልእ ከውሕስ የልቦን፣+ ኣነ ዝፈልጦ ሓደ እኳ የልቦን።’”
9 ኵሎም እቶም ጽሩብ ምስልታት ዚሰርሑ ኸንቱ እዮም፣
እቶም ዚፈትውዎም ነገራቶም ከኣ ኣይጠቕሙን እዮም።+
10 ንሓደ እኳ ዘይጠቅም
ኣምላኽ ዚሰርሕ ወይ ፍሱስ ምስሊ ብፍሲ ዚገብር መን እዩ፧+
11 እንሆ፡ ኵሎም ተሓባበርቱ ኺሓፍሩ እዮም!+
ኢደ ጥበበኛታትሲ ሰብ ጥራይ እዮም።
ኵሎም ይተኣከቡን ይቝሙን።
ብሓባር ኪሽበሩን ኪሓፍሩን እዮም።
ሽዑ፡ ይጠሚ እሞ፡ ሓይሉ ይውዳእ፣
ማይ ኣይሰትን እሞ፡ ይደክም።
13 ጸራብ ዕንጨይቲ ኸኣ ገመድ መለክዒ ይዝርግሕ እሞ ብቐይሕ ኵርሽ ይነድፎ።
ብመንደል ይሰርሖ፡ ብኮምፓስ ገይሩ ይሕንጽጾ።
14 ቄድሮሳት ምቝራጽ ዝዕዮኡ ድማ ኣሎ።
ሓደ ዓይነት ኦም፡ ገዚፍ ኦም፡ ይሓሪ እሞ፡
ኣብ መንጎ ኣእዋም ዱር ደልዲሉ ኺዓቢ ይሓድጎ።+
ኦም ላውሪል ይተክል፡ ዝናም ከኣ የብቍሎ።
15 ንሰብ ከኣ ንምንዳድ ይዀኖ።
ገለ ኻብኡ ወሲዱ ይሞቘሉ፣
ሓዊ ኣጒዱ ድማ እንጌራ ይስንክተሉ።
ግናኸ፡ ኣምላኽ ገይሩ እውን የምልኾ።
ጽሩብ ምስሊ ይገብር እሞ ይሰግደሉ።+
16 ፍርቁ ኣብ ሓዊ የንድዶ፣
በቲ ፍርቂ እቲ እውን ስጋ ጠቢሱ ይበልዕ እሞ ይጸግብ።
ይመውቕ እሞ፡
“ኣሰይ፡ ሞይቀ፡ ሓዊ ኸኣ እርኢ ኣለኹ” ይብል።
17 ነቲ ዝተረፈ ግና ጽሩብ ምስሊ ሰሪሑ ኣምላኽ ይገብሮ።
ይሰግደሉን የምልኾን።
“ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፡ ኣድሕነኒ”
እናበለ ናብኡ ይጽሊ።+
19 “ፍርቁ ኣብ ሓዊ ኣንዲደዮ፡
ብጓህሩ ድማ ክበልዕሲ እንጌራ ሰንኪተ፡ ስጋ እውን ጠቢሰ።
እሞ ደኣ ነቲ ዝተረፈዶ ፍንፉን ነገር ክገብሮ እየ፧+
ካብ ኦም ንእተቘርጸ ዕንጨይቲዶ ኽሰግድ እየ፧”
ኢሉ ብልቡ ዚሓስብ፡
ወይ ፍልጠትን ኣእምሮን ዘለዎ የልቦን።
20 ንሱ ሓምዅሽቲ ይምገብ።
እቲ እተታለለ ልቡ ኣስሒትዎ እዩ።
ርእሱ* ኼድሕን፡
“ኣብ የማነይቲ ኢደይ ሓሶት ደይኰነን ዘሎ፧” ኪብል ኣይክእልን እዩ።
21 “ኣታ ያእቆብ፡ ኣታ እስራኤል፡ እዚ ዘክር፣
ንስኻስ ጊልያይ ኢኻ።
ኣነ ደኲነካ፡ ንስኻ እውን ጊልያይ ኢኻ።+
ኣታ እስራኤል፡ ኣይክርስዓካን እየ።+
22 ንኣበሳኻ ኸም ብደበና፡
ንሓጢኣትካ እውን ከም ብብርቱዕ ደበና ኽድምስሶ እየ።+
ኣነ ኽብጀወካ እየ እሞ፡ ናባይ ተመለስ።+
23 የሆዋ ተግባሩ ገይሩ እዩ እሞ፡
ኣቱም ሰማያት እልል በሉ!
ኣቱም መዓሙቝ ምድሪ፡ ጭድርታ ዓወት ጨድሩ!
ኣቱም ኣኽራን፡
ኣቱም ዱርን ኵላትኩም ኣእዋምን፡ እልል በሉ!+
የሆዋስ ንያእቆብ ተበጅይዎ እዩ፣
ኣብ እስራኤል ከኣ ግርማ ኣርእዩ እዩ።”+
24 የሆዋ እቲ ተበጃዊኻ፡+
ካብ ማሕጸን ኣትሒዙ ዝደኰነካ ኸምዚ ይብል፦
“ኵሉ ዝገበርኩ፡ ኣነ የሆዋ እየ።
ምሳይ መን ነይሩ፧
25 ንትእምርትታት እቶም ባዶ ዚዛረቡ* አፍሽል ኣለኹ፣
ንጠንቈልቲ ዘዐሽዎም ከኣ ኣነ እየ፣+
ንጥበበኛታት ዘዐውኖም፡
ንፍልጠቶም ድማ ናብ ዕሽነት ዝልውጦ፡+
26 ንቓል ጊልያኡ ዘጽንዕ፡
ንትንቢት ልኡኻቱ ኸኣ ዝፍጽም፡+
ብዛዕባ የሩሳሌም፡ ‘ኪነብርዋ እዮም’ ዝብል፡+
ብዛዕባ ኸተማታት ይሁዳ፡ ‘ዳግም ኪህነጻ እየን፡+
ዑናታታ ድማ ከተንስእ እየ’ ዝብል፡+
27 ብዛዕባ መዓሙቝ ማያት፡ ‘ህፈፍ፡
ኵሉ ኣፍላግካ ድማ ከንቅጽ እየ’ ዝብል+
ፍቓደይ ከኣ ምሉእ ብምሉእ ኪፍጽም እዩ’ ዝብል፡+
ብዛዕባ የሩሳሌም፡ ‘ዳግም ክትህነጽ እያ’ ዝብል፡
ብዛዕባ እታ ቤተ መቕደስ ድማ፡ ‘ክትስረት እያ’ ዝብል ኣነ እየ።”+