ዳንኤል
1 ኣብ ሳልሰይቲ ዓመት ንግስና ዮያቂም+ ንጉስ ይሁዳ፡ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም መጺኡ ኸበባ።+ 2 የሆዋ ኸኣ ንዮያቂም ንጉስ ይሁዳ ምስ ገለ ኻብ ኣቕሑ ቤት* እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብ ኢዱ ሃቦ፣+ ንሱ ድማ ናብ ምድሪ ሲንኣር*+ ናብ ቤት* ኣምላኹ ወሰዶ። ነቲ ኣቕሑ ኸኣ ኣብ መዝገብ ኣምላኹ ኣንበሮ።+
3 ሽዑ፡ ንጉስ ንኣሽፈናዝ እቲ ቐንዲ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቱ፡ ካብ እስራኤላውያን፡ እንተላይ ካብ ዘርኢ ንጉስን ልዑላንን ኬምጽእ ኣዘዞ።+ 4 ንሳቶም ጕድለት ዘይብሎም፡ ጽቡቕ ዝትርኢቶም፡ ጥበብን ፍልጠትን ምስትውዓልን እተዓደሉ፡+ ኣብ ቤተ መንግስቲ ንጉስ ንምግልጋል ድማ ክእለት ዘለዎም መንእሰያት* ኪዀኑ ነበሮም። ንሱ ኸኣ ጽሕፈትን ቋንቋን ከለዳውያን ኪምህሮም ነበሮ። 5 ንጉስ ድማ ካብቲ ጥዑም ብልዒ ንጉስን ካብቲ ንሱ ዚሰትዮ ወይንን መዓልታዊ መቝነን መደበሎም። ሰለስተ ዓመት ኪስልጥኑ* ነበሮም፣ ኣብ መወዳእታ እቲ ግዜ እቲ ኸኣ ናብ ኣገልግሎት ንጉስ ኪኣትዉ ነበሮም።
6 ኣብ መንጎኦም ድማ ካብ ነገድ* ይሁዳ፡ ዳንኤልን*+ ሓናንያን* ሚሻኤልን* ዓዛርያን* ነበሩ።+ 7 እቲ ኣውራ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ ኸኣ ስማት* ኣውጽኣሎም፣ ንዳንኤል ቤልጥሻጽር፡+ ንሓናንያ ሲድራቅ፡ ንሚሻኤል ሚሳቅ፡ ንዓዛርያ ድማ ዓብድ-ኔጎ ኢሉ ሰመዮም።+
8 ዳንኤል ግና በቲ ጥዑም ብልዒ ንጉስ ወይ በቲ ንሱ ዚሰትዮ ወይኒ ኸይረክስ ብልቡ ቘረጸ። ስለዚ፡ ነቲ ኣውራ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ፡ በዚ መገዲ እዚ ኸይረክስ ፍቓድ ለመኖ። 9 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ ንዳንኤል ኣብ ቅድሚ እቲ ኣውራ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ ሞገስን* ምሕረትን ሃቦ።+ 10 እቲ ኣውራ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ ግና ንዳንኤል፡ “እቲ ምግብኹምን መስተኹምን ዝመደበልኩም ጐይታይ ንጉስ የፍርሃኒ እዩ። ትርኢትኩም ካብ ናይ መሳቱኹም መንእሰያት* ከፊኡ እንተ ረኣዮኸ፧ ኣብ ቅድሚ ንጉስ በደለኛ ኽትገብሩኒ* ኢኹም” በሎ። 11 ዳንኤል ግና ነቲ እቲ ኣውራ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ዳንኤልን ሓናንያን ሚሻኤልን ዓዛርያን ዝሸሞ ሓላዊ ኸምዚ በሎ፦ 12 “በጃኻ፡ ንገላዉኻ ዓሰርተ መዓልቲ ፈትነና፣ ገለ ዚብላዕ ኣሕምልትን* ዚስተ ማይን ከኣ ሃበና፣ 13 ድሕሪኡ፡ ንትርኢትና ምስ ትርኢት እቶም ጥዑም ብልዒ ንጉስ ዚበልዑ መንእሰያት* ኣወዳድሮ፣ ንገላዉኻ ድማ ከምቲ እትርእዮ ግበረና።”
14 ንሱ ኸኣ ምስቲ ሓሳቦም ተሰማሚዑ ዓሰርተ መዓልቲ ፈተኖም። 15 ኣብ መወዳእታ እተን ዓሰርተ መዓልቲ፡ ካብ ኵሎም እቶም ጥዑም ብልዒ ንጉስ ዚበልዑ ዝነበሩ መንእሰያት* ዝበለጹን ዝጠዓዩን ኰይኖም ተራእዩ።* 16 ስለዚ፡ እቲ ሓላዊ ነቲ ጥዑም ብልዖምን ወይኖምን ሓዲጉ፡ ኣሕምልቲ* ሃቦም። 17 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ ነዞም ኣርባዕተ መንእሰያት* እዚኦም ብዛዕባ ዅሉ ዓይነት ጽሕፈት፡ ፍልጠትን ልቦናን፡ ብተወሳኺ እውን ጥበብ ሃቦም፣ ዳንኤል ከኣ ኵሉ ዓይነት ራእያትን ሕልምታትን ይርዳእ ነበረ።+
18 ኣብ መወዳእታ እታ ንጉስ ናብኡ ኺኣትዉ ዝመደባ ግዜ፡+ እቲ ኣውራ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ ኣብ ቅድሚ ነቡካድነጻር ኣእተዎም። 19 ንጉስ ምስ ተዛረቦም፡ ካብ ኵላቶም ከም ዳንኤልን ሓናንያን ሚሻኤልን ዓዛርያን ዝበለ ኣይተረኽበን፣+ ንሳቶም ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ የገልግሉ ነበሩ። 20 ኣብ ኵሉ እቲ ንጉስ ዝሓተቶም ጥበብን ኣእምሮን ዜድልዮ ነገር፡ ካብ ኵሎም እቶም ኣብ ብዘሎ ግዝኣቱ ዚርከቡ ስሒር ዚገብሩ ኻህናትን ጸዋዕቲ መናፍስትን+ ዓሰርተ ሳዕ በሊጾም ረኸቦም። 21 ዳንኤል ድማ ክሳዕ እታ ቐዳመይቲ ዓመት ንጉስ ቂሮስ ኣብኡ ጸንሐ።+